ቀደማዊ ስነነገር ነቶም ቅድሚ 20 ዘመን ድ።ል።ክ ዝተመስረቱ ዓውደትምህርታት ስነነገር ዝሓቘፈ ኢዩ። ንተርእዮታት መዓልታዊ እንነብሮ ዓለም ይምርምር። ነቶም ብስምዒት ህዋሳት ሰብ ክርኣዩ ከምኡውን ብልሙድ መሳርሒታት ስነፍልጠት ክዕቀኑ ዝኽእሉ ክስተታት ተፈጥሮ የጽንዕ። ቀደማዊ ስነነገር ንኣብ ንቡር ደረጃታት ህላዌ ዘለዉ ተርእዮታት ብልክዕ የግህድ። ንኣብ ግዙፍትርኢታዊ ጽፍሒ ክውንነት ዘለዉ ጉድ፡ ጸዓት፡ ምንቅስቓስነትን ሓይልታትን ብሰፊሑ ክገልጽ ይኽእል። ግዙፍትርኢታዊ ዝበሃል፡ ሰብ ክርእዮ ዘኽእል ዕብየት ዘለዎ፡ ካብ ፍጥነት ብርሃን ኣዚዩ ብዝተሓተ ዝፈጥን፡ ከምኡውን ካብ ክንድነታዊ ደረጃ ኣዚዩ ዝልዕል ጸዓት ዝሓዘ ኢዩ።
ቀደማዊ ስነነገር ዘመናዊ ስነነገር ዝቘመሉ ኣእምሮኣዊ መሰረት ኢዩ። ብኻብ 17 ክሳብ ፈለማ 20 ዘመን ድ።ል።ክ ዝማዕበሉ ስነነገራዊ ክልሰሓሳባትን ሕግታትን ዝተዓየ ድማ ኢዩ። ከም በዓል ጋሊለዮ ጋሊለይ፡ ኢሳቕ ኒውተን፡ ጀይምስ ክለርክ ማክስዌል፡ ጆሴፍ-ልዊስ ላንግሬንጅ፡ ክርስትያን ሃይጂንስ፡ ሊዮንሀርድ ዩለር፡ ዝበሉ ስነፍልጠተኛታት ንስነቁጽራውን ኣምራውን ዓንድታቱ ዝፈጠሩ ኢዮም። ዋላኳ ቀደማዊ ስነነገር ንኹሉንትና ተፈጥሮ ብምልኣት ክገልጽ ዘይክእል ይኹን እምበር፡ ገና መንጸፍከውሒ ናይ ዳርጋ ኩሎም ስርሓት ምህንድስና ኢዩ። ኣብ ስነሞያዊ ምብልሓትን ስነፍልጠታዊ መረዳእታን እውን ኣገዳሲ ተራ እንዳተጻወተ ይርከብ።
ሸፈነ ቀደማዊ ስነነገር
ቀደማዊ ስነነገር ኣዚዩ ሰፊሕ ኢዩ። እዞም ዝስዕቡ ካብ ቀንዲ ዛዕባታቱ ኢዮም፦
- ምንቅስቓስነት ክውንቶታት ካብ ተወናጨፍቲ ክሳብ ዘዋሮ።
- ኣብ ግዙፍትርኢታዊ ዓለም ዘለዉ ሓይልታትን ውህደተግባራትን።
- ባህርያት ፈሰስቲ፡ በንታት፡ ወ ቀጻልነታዊ መታሓላለፊታት።
- ዋዒ፡ ምቘት ወ ምስግጋር ጸዓት።
- ኤሌክትሪክ፡ ሰሓብነት፡ ወ ኤሌክትሮሰሓብነታዊ ማዕበላት።
- ድምጺ፡ ብርሃን፡ ወ ተርእዮታት ማዕበል።
- ጠባያት ጉድ ኣብ ዘይክንድነታዊ ደረጃታት።
- ዘይተዛማድነታዊ ወይ ልኡም ተዛማድነታዊ ኩነታት ዝሰፈኖ ተርእዮታት።
ቀደማዊ ስነነገር ዳርጋ ንኹሉ ኣብ ዕለታዊ ሂወት እንዕዘቦ ተፈጥሮኣዊ ክስተታት ዝገልጽ ኢዩ። ዝተኻረሩ ክውንነታት ተፈጥሮ ክጐንፍዎ ከለዉ ጥራሕ ኢዩ ዝፈሽል። ንሳቶም ከኣ ኣዚዮም ሕሉፋት ደቀቕቲ (ከም ኣቶም ዝበሉ)፡ ኣዚዮም ሕሉፋት ፈጠንቲ (ከም ፍጥነት ብርሃን ዘለዎም) ከምኡውን ኣዚዮም ሕሉፋት ከበድቲ (ከም ኮዋኽብቲ ዝግዝፎም) ኢዮም።
ጠቐምቲ ንባባት
Feynman, Richard P., Robert B. Leighton, and Matthew Sands (1963-1965) The Feynman Lectures on Physics. In 3 volumes. Addison‑Wesley.
Firth, Rachel; Lacey, Minna; and Stobbart, Darran (2022) Physics for Beginners. Usborne (UK).
Rao, Indumati and Rao, C.N.R. (2006) Learning Science Part 2: The World of Physics and Energy. National Book Trust, India.
Kuhn, Karl F. (2021) Basic Physics: A Self‑Teaching Guide. 3rd edition. Wiley (USA).
Hewitt, Paul G. (2014) Conceptual Physics. 12th ed., Pearson.
Breithaupt, Jim (2015) Physics. Bloomsbury Academic (UK).
Young, Hugh D. and Freedman, Roger A. (2019) University Physics with Modern Physics. 15th Edition. Pearson.
Halliday, David; Resnick, Robert; and Walker, Jearl (2021) Fundamentals of Physics. 12th edition. Wiley (USA).
Feynman, Richard P. (1994) Six Easy Pieces: Essentials of Physics Explained by Its Most Brilliant Teacher. Addison‑Wesley.
Goldstein, Herbert, Charles P. Poole Jr., and John L. Safko. Classical Mechanics. 3rd ed., Addison‑Wesley, 2002.
Arfken, George B., Hans J. Weber, and Frank E. Harris (2013) Mathematical Methods for Physicists. 7th ed., Academic Press.
Needham, Joseph (1962) Science and Civilisation in China. Volume 4: Physics and Physical Technology. Part 1: Physics. Cambridge University Press.