ስነቀመም ንባህርያት፡ ትሕዝቶ፡ ከምኡውን ቁመና ሕመረታት ዝፍትሽ ዓውዲ ስነፍልጠት ኢዩ። ንዝሓልፍዎም ምልውዋጣት፡ ከምኡውን ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ መስርሓት ንዝለቅዎ ኰነ ዝዕቅብዎ ጸዓት ይምርምር። እዚ ማለት ድማ ንጠባያትን ኣቃውማን ባእታታት ወ ውህዶታት የጽንዕ። ንቁመና ኩምሪታት ከምኡውን ንዘካይድዎም ስነቀመማዊ ምግብባራት ይፍትሽ። ኪኢላ ስነቀመም “ስነቀማሚ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ስነቀመምቲ ንኣብ ዓለምና ዘለዉ በብዓይነቶም ሕመረታት የጽንዑ። ሓደ ሕመረት ናብ ካልእ ዓይነት ሕመረት ብኸመይ ከም ዝልወጥ ይመራመሩ።
ነፍሲወከፍ ሕመረት (ብተፈጥሮ ዝርከብ ኰነ ሰብሰርሖ) ሓደ ወይ ልዕሊኡ መጠን ካብቶም ከባቢ ሚኢቲ ዝቝጽሮም፡ ከም ባእታታት ዝተፈልጡ ፍጣራት ኣቶም ዘካተተ ኢዩ። ዋላኳ እዞም ኣቶማት ንባዕሎም ብዝያዳ መባእታውያን ነጥርታት ዝቘሙ እንተዀኑ፡ መሰረታውያን መህነጺታት ስነቀመማዊ ሕመረታት ኢዮም። ንኣብነት ካብ ኣቶም ናይ ሕመረቱ ዝንእስ ዝዀነ ይኹን መጠን መስረጭቋር፡ ወርቂ፡ ዲን፡ ወዘተ የለን።
ስለዚ ስነቀመም ንትሕተኣቶማዊ ሕዝኣት ክውንነት ዝመራመር ኣይኰነን። እንታይ ደኣ፡ ኣብ ባህርያት ኣቶማትን ንምውህሃዶም ዝቕልሱ ሕግታትን ከምኡውን ከምዚ ዝበለ ፍልጠት ብኸመይ ዝተመልከቱ ዕላማታት ከካውን ከም ዝኽእል የድህብ። እዚ ማለት ድማ ስነቀመም ምጽናዕ ኣቶማዊ ትሕዝቶን ቁመናዊ ስነህንጻን ሕመረታት የካትት ማለት ኢዩ። ነቶም ኣብ መንጎ በብዓይነቶም ሕመረታት ዝኽሰቱ ውህደተግባራት ከምኡውን ዘኸትልዎም ምግብባራት እውን ይምርምር።
ስነቀመም ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ተፈጥሮኣዊ ሕመረታትን ኣፈጣጥራ ሰብሰርሖ ጥረነገራትን እንከላይ ዝግደስ ኢዩ። ከም ኣሰራርሓ ጸብሒ፡ ጠጅኢ፡ ምምስራሕ ጥርሙዝ፡ ከምኡውን ስነሓጺነመጺን ዝበሉ ካብ ቀደም ዝጸንሑ ስነቀመማዊ መስርሓት ኢዮም። ከም ቫይናል፡ ፈሳሲ ሓቒቅ፡ ሕሉፍመሕለፊታት፡ ሓውሲመሕለፊታት፡ ወዘተ ዝበሉ ከኣ ገለ ናይ ቀረባ እዋን ፍረታት ስነቀመማዊ ስነሞያ ኢዮም።
እቲ ዝዓበየ ብድሆ ስነቀመም ንዝተሓላለኸ እንታይነት ጥረነገራት ብጽፈት ዝገልጽ መብርሂታት ምቕራብ ኢዩ። ስለምንታይ ሕመረታት ከምቲ ዘለውዎ ከም ዝዀኑ፡ ምንጪ ዕምራዊ ባህርያቶም፡ ውህደተግባራት ዝተፈላለዩ ሕመረታት ብኸመይ ሓደስቲ ሕመረታት ይፈጥር ከምኡውን ንዝነበሩ የፍርስ፡ ወዘተ ምምላስ ኢዩ። ካብ ናይ ጥንቲ ንነገራዊ ዓለም ብርትዒ ናይ ምርዳእ ፈተነታት ጀሚርካ፡ ስነቀመምቲ ንቀዋምነትን ለውጥን ኣዕጋቢ መግለጺ ዝህብ ክልሰሓሳባት ጉድ ከዳልዉ ተጋዲሎም። ሎሚ ስሩዕ ውዳቤ ዘይዝረጉ ኣቶማት ናብ ናኣሽቱን ዓበይትን ኩምሪታት፡ ወይ ዝተዘርግሐ ርባባት ዝተሓዋወሱ ኣቶማት ብሓፈሽኡ ከም መሰረት ቀዋምነት ይውሰድ። ዳግመውደባ ኣቶማት ወይ ኩምሪታት ናብ ዝተፈላለየ ኣሰራርዓታት ከኣ ከም መኽንያት ለውጢ ይሕሰብ።
ኣገዳስነት ስነቀመም
ስነቀመም መላግባዊ ሽኻል ዓውደ ትምህርታት ስነፍልጠት ኢዩ። ንመባእታዊ ተፈጥሮኣዊ ሕግታት ስነነገር ምስቶም ኣዚዮም ዝተሓላለኹ፡ ዓመምቲ ስርዓታት ሂወታዊ ስነፍልጠት፡ ስነፍልጠት ምድሪ ወ ስነህዋ፡ ከምኡውን ምስ ግብራዊ መዓላታት ምህንድስናን ምስርሐን የቋርን። ስለዚ ድማ ኢዩ “ማእከላይ ስነፍልጠት” ተባሂሉ ዝጽዋዕ።
ብሳላ ዝጻወቶ ኣማእካሊ ተራ፡ ስነቀመም ኣብ መጽናዕትን ምርምርን፡ ዕዮ፡ ሕርሻ፡ መድሃኒት ከምኡውን ቁጠባ መሰረታዊ ኣገዳስነት ኣለዎ። ኣብ ብዙሓት ዓውድታትን ጽላታትን እውን መተካእታ ዘይብሉ እጃም የበርክት። ስነሂወታዊ ኩምሪታት ወ ጥረነገራት መባእታዊ ኣሃዱታት ተፈጥሮኣዊ ዕማም ከምኡውን ንጥፈታት ሰብ ኢዮም። እዚ ማለት ከኣ ዓሚቝ ዳህሰሳታት ስነሂወት ወ ነገራዊ ስነፍልጠት ውዒሉ ሓዲሩ ስነቀመማዊ ትንተናን ጽማረን ዝጠልብ ኢዩ። ምምስራሕ ፈውስን ንዋያትን ጥራሕ ዘይኰነስ እንከላይ ምርድኦምን ኣብ ጠቕሚ ምውዓሎምን ብዘይ ትልሚ፡ መብርሂ ወ ምጽራይ ስነቀመምቲ ክዉን ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ።
ምዕባለን ብልጽግናን ዝዀነ ሃገር ምስ ስነቀመማዊ ዓቕምታቱ ዝተተሓሓዘ ኢዩ። ልዑል ስነቀመማዊ ክእለት ዘለዎ ሃገር ልዑል ዕዮኣዊ ብርትዐን ቁጠባን ኣለዎ። ከም ውጽኢቱ ድማ ዓይነት መነባብሮ ህዝቡ ብሉጽ፡ ናይ ምክልኻል ዓቕሙ እውን ሓያል ኢዩ።
ስፍሓት ስነቀመም
ዘመናዊ ስነቀመም ብኣዚዮም ዝተሓላለኹ መሳርሒታት ተሓጊዙ ካብ ከክንዲ ንጽል ኣቶም ዝዀኑ ክሳብ ከክንዲ ጎዳልረቦውሻጠኛ መጭቋሮ (ጎውመ) ዝግዝፎም፡ ሚሊዮናት ኣቶማት ዘካተቱ፡ ንዋያት የጽንዕ። ዝተደልየ ባህርያት ዝሓዙ ሓደስቲ ሕመረታት ከይተረፈ ብምትላም ይጽምር። ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደትምህርታትን ግብራዊ መዓላታትን ዘገልግሉ መንጸፍ መብርሂታት ማሕዘላትዕዮ የቕርብ። ፍጥነት ምውሳኽ ስነቀመማዊ ፍልጠት ዘደንቕ ኢዩ። ክሳዕ ሎሚ ልዕሊ ሸሞንተ ሚሊዮን ዝተፈላለየ ተፈጥሮኣውን ሰብሰርሖን ስነቀመማዊ ሕመረታት ተለልዩን ፈርዩን ኣሎ።
እቶም ቀንዲ ስነቀመም ዘተኵረሎም መዳያት መጽናዕትን ምርምርን እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፦
- ትሕዝቶን ቁመናን ጥረነገራት፥ ኣብ ኣቶማዊ ጽፍሒ ሕመረታት ብምንታይ ዝቘሙ ኢዮም? ከመይ ዝበለ ኣሰራርዓ ኣለዎም?
- ባህርያት ጥረነገራት፥ ሕመረታት ከመይ ዝበለ ጠባያት ኣለዎም? እዚ ማለት ድማ ንኸም ነቑጣታት መፍልሒ፡ ኣተሓላልፋ ኤሌክትሪክ፡ ተባራዕነት ወ መጭቋርነት ዝበሉ ባህርያት ጥረነገራት ምፍታሽ ማለት ኢዩ።
- ብርትዐታትን ምንቅስቓሳትን ጥረነገራት፥ ሕመረታት ብኸመይ ይልወጡ? ምስ ካልኦት ሕመረታት ከመይ ዝበለ ርክባት ኣለዎም? እዚ ማለት ከኣ ንኣፈራርሳን ኣቃውማን ስነቀመማዊ ቁራኔታት ይምርምር፡ ኣብ እዋን ስነቀመማዊ ምግብባር ዝተመጽየ ኰነ ዝተፈነወ ጸዓት የለሊ፡ እዞም ከምዚ ዝበሉ ምቅይያራት ፣ከ ከመይ ዝበለ ፍጥነት ኣለዎም ይዕቅን።
- ምጽማር ጥረነገራት፥ ምምስራሕ ዝተደልየ ባህርያት ዘለዎም ሕመረታት ከምኡውን ምፍጣር ሓደስቲ ጥረነገራት።
ጠቐምቲ ንባባት
Chang, R., & Overby, J. (2019) Chemistry (13th ed.). McGraw-Hill Education.
Brown, T. L. and others (2025) Chemistry: The central science (15th ed.). Pearson.
Lavoisier, A. L. (1790) Elements of chemistry, in a new systematic order, containing all the modern discoveries (R. Kerr, Trans.). William Creech.
Mendeléeff, D. (1891) The principles of chemistry (G. Kamensky, Trans.; A. J. Greenaway, Ed.; 2 vols.). Longmans, Green, and Co.
Boyle, R. (1661) The sceptical chymist: Or chymico-physical doubts & paradoxes, touching the spagyrist’s principles commonly call’d hypostatical; as they are wont to be propos’d and defended by the generality of alchymists. J. Crooke.
Dalton, J. (1808) A new system of chemical philosophy (Part 1). S. Russell for R. Bickerstaff.
Pauling, L. (1939) The nature of the chemical bond and the structure of molecules and crystals: An introduction to modern structural chemistry. Cornell University Press.
Tro, N. J. (2019) Chemistry: A molecular approach (5th ed.). Pearson.
Morrison, R. T., & Boyd, R. N. (1959) Organic chemistry. Allyn and Bacon.
Clayden, J., Greeves, N., & Warren, S. (2012) Organic chemistry (2nd ed.). Oxford University Press.
Atkins, P., Jones, L., & Laverman, L. (2023). Chemical principles: The quest for insight (8th ed.). W. H. Freeman.