እዚ መዘከርቃላት ኣብ፣ዚ ነቑጣ መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ዘለዉ ስነሂወታዊ ቃላት ሓጺር መብርሂ ይህብ።
ሀ
ህዋሰኛ፥ ዝዀነ ሂወት ዘለዎ ፍጥረት። እንኮ ዋህዮ (ንኣብነት፡ ዘንግያ) ወይ ብዙሓት ዋህዮታት (ንኣብነት፡ ኣትክልቲ፡ እንስሳታት) ክህልዎ ይኽእል።
ህውሲት፥ ዝተፈልየ ክፍለኣካል ናይ ዋህዮ፤ ከም ህዋስ ናይ ዋህዮ ኢዩ።
ለ
ለማሚ፥ ዝሑል-ደማዊ መላግቦኛ ኣባል ክፍሊ ለመምታ ዝዀነ እንስሳ፡ ከምእኒ ኣባጎብየ፡ ተመን፡ ጠበቕ፡ ዝበሉ ኢዩ።
ሉንኩስ፥ በዓል ሓጺር ጭራ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ጨጓር ኣእዛን ዘለዎ፡ ቆርበቱ ዝድለ፡ ማእከላይ ዕቤት ዘለዎ፡ ድሙዘገዳም ኰይኑ፡ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኤውሮጳን ኤስያን ይርከብ።
ሐ
ሓቀኛውሻጠኛ፥ ዋህዮታቱ ውሻጠን ብሸፍኒ ዝተኸድኑ ህውሲታትን ዘካተቱ ህዋሰኛ ኢዩ።
ሓሰማዓሳ፥ ጐዲም ሸሊሕ ገጽን ሓያሎ ኣስናንን ዘለዎ፡ መብዛሕትኡሳዕ ቁመቱ ካብ 2.5 ሜትሮ ዘይሓልፍ፡ ብጭፍራ ዝነብር፡ መጥበዊ እንስሳ ባሕሪ ኢዩ።
ሕርሻ፥ ደቅሰብ ንምጥቃም ዘገልግሉ እንስሳታትን ኣትክልትን ንምፍራይ ዝካየድ ኣከባቢ ዝቕይር እኩብ ንጥፈታት ኢዩ።
ሕብረካል፥ ኣብ ስነቀመምሂወት፡ ንፍጥርታት ብመስመራዊ መስርዕ ዝጸውር፡ ኣብ ውሻጠ ዋህዮ ዝርከብ፡ ፈትሊመሰል ክፍለኣካል ጎዳልረቦውሻጠኛ መጭቋሮ (ጎውመ) ኢዩ።
መ
መላግባዊ ዓንዲ፥ ተወሳኺ መጸውዒ ዓንዲሕቖ ወይ ዓጽሚሕቖ ኢዩ።
መላግቦኛ፥ ኣብ ስነእንስሳ፡ ዓንዲሕቖ ወይ ዓጽሚሕቖ ዘለዎ ዘበለ ኢዩ።
መኻን፥ ክዋለድ ዘይክእል ማለት ኢዩ።
መሬትሳዕሪ፥ ሳዕሪ ወይ ሳዕሪመሰል ዕጽዋት ዝበቝለሉን ካብ ኩሉ ዓይነት ፍጣረ ተኽሊ ዝያዳ ዝዕብልለሉን መሬት ኢዩ።
መሬትዕንጸይቲ፥ ብኽፍተት ዘለዎም ኣግራብን ቈጥቋጥን ዝተሸፈነ ከምኡ፣ውን ሳዕርታትን ናኣሽቱ ኣትክልትን ዘካተተ ብዙሕነታዊ ሽፋን ባይታ ዘለዎ መሬት ኢዩ።
መባኹዒ፥ ኣብ ስነእንስሳ፡ ብዘይጾታዊ መስርሕ ብጠጥዒ ወይ ብምምቕቓል ዝፋረ እንኮ-ዋህዮኛ ሰፍናግ ኢዩ።
መጒዶ፥ ብመንቋቝሒ፡ ግራጮ ወ ኣፈት ዝቘመ ኣንስታይ ክፍለኣካል ዕምባባ ኢዩ።
መንቋቝሒ፥ እንቋቝሖታት ዝጸፊ ኣንስታያዊ መፍረዪ ህዋስ ኢዩ።
መደው፥ ተባዕታይ መፍረዪ ህዋስ ዕምባባ ኢዩ።
መውልዶ፥ ምፍራይ ውሉድ ኢዩ።
መጥጊ፥ ካብ ገለ ኣትክልቲ፡ ከም ዳዕሮ፡ ቆልቋል ዝበሉ ዝወጽእ ጸባዊ ነዝዒ ኰይኑ፡ ናብ ኣየር ምስ ተቓልዐ ይረግእ።
ማህጽዮን ወይ ዶልፊን፥ ካብ ዓሌት ዓሳነባሪ ዝዀነ፡ ሰናን መትኮብመሰል ገጽ ዘለዎ፡ ካብ ሓሰማዓሳ ዝዓቢ መጥበዊ እንስሳ ባሕሪ ኢዩ።
ምቑጥቋጥ፥ ንዳግም ክጥጥዕ ዝኽእል ገረብ ወይ ቈጥቋጥ ኣትሒትካ ጥቓ ባይታ ኣብ መሰረቱ ምቝራጽ ኢዩ። መብዛሕትኡሳዕ ዕላምኡ ሓድሽ ዕብየት ኦም ካብ ጉማድ ጉንዲ ንምፍራይ ኢዩ። ኣብ ግዜ ትኻስ ተኽሊ ክግበር ድማ የድሊ።
ምቕምቃም፥ ስፍሕ ዝበለ ቃል ኰይኑ፡ ቅርጺ፡ ጥዕና፡ ወይ ግዝፊ ተኽሊ ንምሕላው ዝካየድ ምእላይ ጨናፍር ኢዩ።
ምኹስኳስ፥ ንኣትክልቲ ኰነ ንእንስሳታት መታን ክዓብዩን ክፈርዩን ምክንኻን ማለት ኢዩ።
ምጽልጻል፥ ኢደግብሪ ምቕምቃም ተኽሊ ኰይኑ፡ ንላዕለዋይ ጨናፍር ገረብ በብእዋኑ ክሳብ እቲ ኣውራ ኦም ክበጽሕ ዝኽእል ምእላይ ኢዩ። ዕላምኡ ብቐንዱ ግዝፊ ንምቝጽጻር ኢዩ። ኣብ ግዜ ትኻስ ገረብ ክግበር ዝበለጸ ይኸውን።