እዚ ገጽ ንኣብዚ ነቑጣ መርበብሓበሬታ ዘለዉ ብፊደል መ ዝጅምሩ ስነቀመማውን ስነነገራውን ቃላት ብሕጽር ዝበለ መንገዲ የብርህ። ከም ኣድላይነቱ ድማ ይውስኽ።

መመረቲ ወይ መዀኒ ወይ መውደቒ፥ ንዝመኸኸ ወይ ውዑይ ፈሳሲ ንዋይ ምስዝሓለን ምስተረረን ቅርጺ ዘውህብ ጐድጓዳ መትሓዚ ኢዩ።

መመስርሒ፥ ጥረ ናውቲ ተጠቒምካ ገለ ፍርያት ዝዳለወሉ ትካል ወይ ቦታ ኢዩ።

ምምስራሕ ወይ መስርሐ፥ ብሰብሰርሖ ወይ ተፈጥሮኣዊ ነገራት ወይ ክፋላት ጌርካ ገለ ነገር ምቛም ኢዩ።

መርኣዪርሑቕ፥ ንምስልታት ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ክውንቶታት ዘጉልሕ መሳርሒ ኢዩ።

መርኣዪደቂቕ፥ ኣዚዮም ደቀቕቲ ክውንቶታት ኣጉሊሑ ዘርኢ ወይ ዝስእል መሳርሒ ኢዩ።

መርኣያ፥ ከም ኣብነት ናይ ዓይነቱ ንኸገልግል ዝእከብን ዝዕቀብን ኩሉንትና ወይ ክፋል ሓደ ተፈጥሮኣዊ ክውንቶ ኢዩ።

መርዚ፥ ኣብ ስነቀመምሂወት፡ ኣብ እዋን ምቅይያርነት ወ ዕብየት ገለ ደቂቕህዋሰኛታት ከምኡ፣ውን ላዕለዎት ፍጣራት ተኽልን እንስሳን ዝፈሪ ዝስምም ሕመረት ኢዩ።

መስራቲ ባእታ፥ ኣብ ስነቀመም፡ ናይ ብመ ደረጅኡ ልዕሊ 7 ብመ ዝዀነ በብዓይነቱ ቀመማዊ ሕመረት ኢዩ። መስራቲ ባእታ ኣብ ሕቃቕ ማይ መጭላቝ ድህሰት ዘለዎ፡ ዕረ ጣዕሚ ዝህብ፡ ሕብሪ መመልከቲ-ቀመም ዝቕይር (ንኣብነት ንቐይሕ ሊትመስ ወረቐት ናብ ሰመያዊ ይቕይር)፡ ምስ መጭቋሮ ተገባቢሩ ጨው ዝፈጥር፡ ወዘተረፈ፡ ኢዩ።

መሰረታዊ ነገራዊ መጠን፥ ካብ ካልኦት ነገራዊ ምጣነታት ነጻ ዝዀነን ብኻልኦት ነገራዊ ምጣነታት ክግለጽ ዘይክእልን ኰይኑ፡ ንኻልኦት ነገራዊ ምጣነታት ግና ክገልጽ ዝኽእል ኢዩ። እቶም ሸውዓተ መሰረታዊ ነገራዊ ምጣነታት እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፥ ንውሓት፡ ክብደት፡ ግዜ፡ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ፡ ምቘት ብርትዐዋዒ፡ ቀመማዊ መጠን፡ ከምኡ፣ውን ጻዕቂ ድምቀት።

መስረማይ፥ ዘይሓጺናዊ ንጽልጅግኖ ቀመማዊ ባእታ ኰይኑ፡ ብንቡር ሕብሪ፡ መቐረት፡ ወይ ሽታ ዘይብሉ ከምኡ፣ውን ኣዚዩ ተባራዒ ድርብኣቶሚካዊ በኒ ኢዩ። እቲ ዝፈዀሰን ዝያዳ ኩሎም ባእታታት ኣብ ኣድማስ ብብዝሒ ዝርከብን ቀመማዊ ባእታ እውን ኢዩ። መስረማይ ምስ መስረጭቋር ተዋሃሂዱ ማይ ይፈጥር።

መስረማዮታይ፥ ሕውስዋስ ኣቶማት መስረማይን መስረጭቋርን ዝሓዘ ቀመማዊ ውህዶ ኢዩ።

መስረናትሮ፥ ዘይሓጺናዊ ቀመማዊ ባእታ ኰይኑ፡ ብንቡር ሕብሪኣልቦ፡ ሽታኣልቦ፡ መቐረትኣልቦ ድስኩል ድርብኣቶሚካዊ በኒ ኢዩ። መስረናትሮ ን78% ቅጺ ናይ ጠፈር የቕውም ከምኡ፣ውን ኣብ ምቛም ኩላቶም ህያውያን እልምታት ይሳተፍ።

መስረጭቋር፥ ዘይሓጺናዊ ድርብጅግኖ ቀመማዊ ባእታ ኰይኑ፡ ብንቡር ሕብሪኣልቦ፡ ሽታኣልቦ፡ መቐረትኣልቦ ከምኡ፣ውን ዘይባራዕ ድርብኣቶሚካዊ በኒ ኢዩ። ን21% ቅጺ ናይ ጠፈር ዘቕውም ኰይኑ፡ ኣብ ዝባን ምድሪ እቲ ዝያዳ ኩሎም ባእታታት ብብዝሒ ዝርከብ ኢዩ። መስረጭቋር ብዘይካ ምስ ሒደት ድስኩላን በንታት ምስ ኩሎም ቀመማዊ ባእታታት ክወሃሃድ ይኽእል። ኣብ ስነኣካላዊ መስርሓት ናይ ዳርጋ ኩሎም ዝተፈልጡ ሂወታውያን ንጡፍ ተሳትፎ ዘለዎ፡ ከምኡ፣ውን ኣብ መስርሕ ምቅጻል ዕዙዝ ተራ ዝጻወት ኢዩ።

መስረጭቋራይ፥ መስረጭቋር ምስ ካልእ ባእታ ወይ ስርት ተዋሃሂዱ ዝፈጥሮ ቀመማዊ ውህዶ ኢዩ።

መስረጨቋሪ፥ ንኻልእ ሕመረት ዘመስጨቝር (መስረጭቋር ዘውህብ) ሕመረት ኢዩ። ኣብ ስነቀመም፡ መስረጨቋሪ “ገባሪ መስረምጭቋር” ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ ኢዩ።

መስረጭቋርነት፥ መስርሕ መስረምጭቋር ኰይኑ፡ ምውሳኽ መስረጭቋር ኣብ ቀመማዊ ውህዶ ኢዩ። ኣብ ስነቀመም፡ ኣቶማት ሓደ ባእታ ኤሌክትሮናት ዘጥፍእሉ፡ ጅግኖ ናይቲ ባእታ ድማ ዝውስኸሉ ቀመማዊ ምግብባር ኢዩ።

መስርሕ፥ ገለ ውጽኢት ንምምጻእ ዝግበር መንገዲ ተግባር ኢዩ።

መቃጠኒ፥ ንምብጽባጽ ወይ ምሕቃቕ ዘገልግል ገባሪ ኢዩ።

መባእታዊ ምልኣት፥ ኣብ ስነነገርን ስነቀመምን፡ ንዝዀነ መሰረታዊ ዝፍቀድ ክውንቶ (ከም ኣቶም፡ ኩምሪት፡ ክዶ፡ ዝበለ) ዝሕብር ኰይኑ፡ ብዛዕባ ዝተመልከተ መጠን ክዝረብ ከሎ፡ ንመባእታዊ ኣሃዱታት ሓደ ሕመረት ንምግላጽ ይጠቅም።

መባጽሒ መጠን፥ ዓቐንን ኣንፈትን ዘካትት ነገራዊ መጠን ኢዩ። መባጽሒ መጠን ክሳዕ ክንደይን በየናይ መንገድን ሓደ ነገር ይገብር ወይ ይንቀሳቐስ ብምምልካት ምሉእ መግለጺ ናይ ሓደ ክስተት የቕርብ።

መኽዳዊ፥ ልስሉስ፡ ተዓምጻጺ፡ ግንከኣ ሰጥ ዘይበለ እልመት ናይ ልዕለገጽ መኽዶ ኢዩ።

መኽዶ፥ ካብ ልሕጺ ገረብ ኦክ መኽዶ ዝርከብ ተፈጥሮኣዊ ንዋይ ኢዩ። ገረብ ኦክ መኽዶ ኣብ ኣፍሪቃ ብተፈጥሮ ኣብ ሰሜናዊ ኣፍሪቃ (ሃገራት መረኮ፡ ኣልጀርያ፡ ቱኒዚያ) ይበቝል።

መዳበርያ፥ ንሓመድ ዝያዳ ፈራዪ ንምግባር ዝጠቅም ዘበለ፡ ተፈጥሮኣዊ ኰነ ሰብሰርሖ፡ ቀመማዊ ሕመረት ኢዩ።

መድረቒ ዘይቲ፥ ብመኽንያት መስረጭቋርነት ብኣየር ዝተርር ዘይቲ ኢዩ። ብዙሕሳዕ እውን መሰረት ልኻይሕብሪ ወይ በርኒቕ ብምዃን ይጠቅም።

መግባሪ፥ ኣብ ስነቀመም፡ ቀመማዊ ምግብባር ዝውልዕ ወይ ህላዌ ሓደ ቀመማዊ ባእታ ዝፍትን ሕመረት ኢዩ። ክልተ ዓይነት መግበርቲ ኣለዉ። ንሳቶም ድማ ገባሪ መስረምጭቋር ወ ገባሪ ምጕዳል ኢዮም።

መጣጥ፥ ክእሰት ዝኽእልን ናብ ዝተፈላለየ ፍርያት ክኽወን ዝካኣልን ካብ ነዝዒ መጥጊ ኣግራብ ዝርከብ ተመጣጢ ንዋይ ኢዩ።

መጭቋሮ፥ ኣብ ስነቀመም፡ ናይ ብመ ደረጅኡ ትሕቲ 7 ብመ ዝዀነ በብዓይነቱ ቀመማዊ ሕመረት ኢዩ። መጭቋሮ ኣብ ሕቃቕ ማይ መጺጽ ይጥዕም፡ እንተበዚሑ ይባላዕ፡ ንሕብሪ መመልከቲ-ቀመም ይልውጥ (ንኣብነት ንሰመያዊ ሊትመስ ወረቐት ናብ ቀይሕ ይቕይር)፡ ምስ ገሊኦም ሓጺነመጺን ተገባቢሩ መስረማይ ይለቅቕ፡ ምስ መሰረታዊ ባእታ ተገባቢሩ ጨው ይፈጥር፡ ወዘተረፈ።

መጽሓፊ ቀለም፥ ንምሕታም፡ ምጽሓፍ ወይ ምስኣል ዝጠቅም ሕብሪ ዘለዎ ፈሳሲ ኢዩ።

መፈጸሚ ወይ ገባሪ፥ ገለ መጠን ጽልዋ ወይ ሳዕቤን ዘለዎ ሕመረት ኢዩ።

ሚዛን፥ ብመኽንያት ረዝናዊ ጉተት ዝስዕብ ክብደት ዝፍጽሞ ትኹላዊ ሓይሊ ኢዩ።

ማዕድን፥ ካብ ተፈጥሮ ብመልክዕ ሓቒቓት ዝርከብ ከምኡ፣ውን ብዘይህዋሳዊ መስርሓት ዝፍጠር ደረቕ ባእታ ወይ ውህዶ ኢዩ።

ማየመስረጭቋራይ፥ ማይ ዘለዎ መስረጭቋራይ ውህዶ ኢዩ።

ማየታይ፥ ሓቒቓውነት ማይ ዘካተተ ዘበለ ውህዶ ኢዩ።

ማየፍሓሞ፥ ብመስረማይ ወ ፍሓሞ ጥራሕ ዝቘመ ህዋሳዊ ቀመማዊ ውህዶ ኢዩ።

ማያዊ፥ ኣብ ስነቀመም፡ ሕዋስ ማይ ዝሓዘ ዘበለ ኢዩ።

ምህዞ፥ ብመጽናዕቲ፡ ምርምርን ፈተነታትን ዝመጽእ ሓድሽ ፍጥረት ኣቕሓ ወይ መስርሕ ኢዩ።

ምምሃዝ፥ ገለ ሓድሽ ነገር ምፍጣር ኢዩ።

ምቅይያርነት፥ ኣብ ስነቀመምሂወት፡ ንኹሎም ሂወት ዝጥውሩ ኣብ ዋህዮ ወይ ህዋሰኛ ዝርከቡ ህዋሳዊ ስነቀመማዊ መስርሓት ዘመልክት ኢዩ።

ምቘት፥ ደረጃ ምውዓይ ወይ ምዝሓል ናይ ሓደ ኣካል ወይ ከባቢ (ከም መጠን ኩምሪታዊ ንጥፈታቱ) ኢዩ።

ምብልሓት፥ ጠቓምነት ንምውሳኽ ዝግበር መስርሕ ምምሕያሽ፡ ምስምማዕ፡ ወይ ምሽያጥ ኣቐዲሙ ዝነበረ ምህዞ ኢዩ።

ምኽዋን ወይ ከወነ፥ ብንዋይ (ንኣብነት ዋላኻ፡ ስምዒ፡ ላስቲኽ፡ ወዘተ) ጌርካ ምስራሕ ኢዩ።

ምድራዮ፥ ምስ ወርሓዮን ዲንን ዝዛመድ፡ ተሓምሻሺ ብሩራዊ-ጻዕዳ ሓጺነመጺንመሰል ባእታ ኢዩ። ብቐንዱ ከም ምድራይ ኰይኑ ኣብ መዕቈሪታት ነሓስ፡ ጋኔሓስ፡ ብሩርን ወርቅን ይርከብ። ምድራዮ ንመስርሒ ቅንብሮታት ዝጠቅምን ከም ሓውሲመሕለፊ ዘገልግልን ኢዩ።

ምድራይ፥ ዝዀነ ክልተኣዊ ውህዶ ምድራዮ ምስ ካልኦት ኤሌክትሮኣወንታዊ ባእታታት ኢዩ።

ምግብባር፥ ኣብ ስነቀመም፡ ብውሕዱ ሓደ ሕመረት ናብ ካልእ ሕመረት ዝልወጠሉ መስርሕ ኢዩ። ኣብ ስነነገርምንቅስቓስ፡ ዝዀነ ሓይሊ ኣብ ሓደ ኣካል ምስዝትግበር ዝፍጠር ተመዓራራይን ተጻራርን ሓይሊ ኢዩ።