ረዓሚ ባህርያት ገረብ ዓየ ኣብ ብዝሒ ቈይምታቱ ይንጸባረቕ። ኣብ እኹል ማይ ዝረኽበሉ ከባቢታት ወትሩሓምላይ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ንቕጽ ዝበሉ ቦታታት ግና ናብ ኣርጋፊ ይዝንብል። ቁመቱ ኣዚዩ ይፈላለ። ኣብ ንቕጽ ዝበሉ ከባቢታት ካብ 12 ክሳብ 15 ሜትሮ ንውሓት ክህልዎ ከሎ፡ ኣብ ጥልቅይ ዝበሉ ቦታታት ግና ካብ 25 ክሳብ 50 ሜትሮ ዝበጽሕ ቁመት ኣለዎ። ንቡር ትርኢት ፍረመለኮት ዓየ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ፦
ልሕጺ
ሕብሪ ልሕጺ ገረብ ዓየ ካብ ደባን ጨብራይ ክሳብ ጸሊም ኰይኑ፡ ሓርፋፍ ኢዩ። ውሽጡ ግና ብርሑሱ ከሎ ቀይሓው ኢዩ። ገረቡ ብዝኣኸለ፡ ልሕጹ ዓመቝቲ ትኹላውን ጋድማውን ነቕዓት የማዕብል። እዞም ዝመሳቐሉ መስመራት ከኣ ሓያል ምምስሳል ምስ ትርኢት ቆርበት ዓንጎግ ወይ ዝተረብረበ ንጻፍ ዘለዎም ትርብዒታዊ ግላዓት ይፈጥሩ።
ቈጽሊ
ኣቝጽልቲ ፍረመለኮት ዓየ ንጽል፡ ልፋዕቆርበታውያን፡ ከምኡውን በብእብረ ዝተሰርዑ ኢዮም። ብላዕላዮም ድሙቕ ሓምላይ ሕብሪ ክህልዎም ከሎ፡ ብታሕታዮም ግና ህስስ ዝበሉ ኢዮም። ይኹን እምበር፡ ኣብ ግዜ ቀውዒ ሓደሽቲ ኣቝጽልቲ ቀያሕቲ ኢዮም፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ናኣሽቱ ኣትክልቲ። ኣቝጽልቲ ዓየ ዘይጨጓራት ኢዮም። እንተዀነ ግና ናኣሽቱ ኣቝጽልቱ ብልሙጽ፡ ለጥ ዝበለ ጸጉሪ ዝተሸፈኑ ኢዮም።
ቅርጺ ቈጽሊ ፍረመለኮት ዓየ ም ቆማት-ጐደላዊ ኢዩ። ክሳብ 14 ሰንቲሜትሮ ንውሓት፡ 3 ሰንቲሜትሮ ስፍሓት ኣለዎ። ወሰናስን ቈጽሉ ሓፍለጠቕ ዝበለ ኢዩ። ደረቱ ድማ ልሙጽ። ኣውራመትኒ ቈጽሊ ዓየ ናብ ታሕቲ ዝዘጠጠ ኰይኑ፡ ጫፉ ኸኣ ክብብ ዝበለ ኢዩ።
ዕምባባ
ዕምባባታት ዓየ ቅርጺ-ቃጭል ኣለዎም። ሕብሮም ካብ ኣጅቦ ክሳብ ጻዕዳ ኢዩ። 1 ሰንቲሜትሮ ንውሓት ኣለዎም። ምኡዛት ኢዮም። ኣብ ምብራቕን ምዕራብን ኣፍሪቃ፡ ካብ ሚያዝያ ክሳብ ሰነ ኣብ ዘሎ ወቕቲ ይዕምብቡ። ብዙሓት ሓሳኹ እንከላይ ንህብን ዕኰትን ነቶም ዕምባባታት የጽግይዎም።
ተባዕትዮን ኣንስትዮን ዕምባባታት ዓየ ኣብ በበይኑ ገረብ ይበቝሉ። ሽጉጣት ኰይኖም፡ ኣብ ሽፋኖምን እግሮምን ጨጓራት ኢዮም። እንተዀነ ግና ተባዕትዮ ዕምባባታት ዝያዳ ጽዑቕ፡ ጐፍጓፍ ጸጉሪ ኣለዎም። ተባዕትዮ ዕምባባታት በብሰለስተ ወይ ልዕሊኡ ተጠሚሮም ኣብ ቁንጹብ ብርዕታት ዝተሰርዑ ክዀኑ ከለዉ፡ ኣንስትዮ ዕምባባታት ዓየ ግና ባሕታውያን ኢየን።
ሽፋን ዕምባባ ዓየ ናብ 4 ወይ 5 ክፋላት ዝተመቓቐለ ኰይኑ፡ እንቁላሊሓውን ወጣምን ግልባድ ኣለዎ። እቶም ዋልታ ዕምባባታቱ ቅርጺ ጓጕድ ዘለዎም ኰይኖም፡ ናብ 4 ወይ 5 ቅንጹብ፡ እንቁላሊሓዊ ግልባዳት ዝተመቓቐሉ ኢዮም። መደዋት ዕምባባ ዓየ ካብ 10 ክሳብ 16 ዝቝጽሮም ኰይኖም፡ ለማጻት ኢዮም።
ፍረ
ዕምባባታት ዓየ ምስ ቀምሰሉ፡ ፍሪኡ ንኽበስል ካብ 6 ክሳብ 8 ኣዋርሕ ይወስድ። እዚ ማለት ድማ ዋላ፣ኳ ዓየ ኣብ ጥልቁይ ወቕቲ ዝዕምብብ እንተዀነ፡ ኣብ ደረቕ ወቕቲ ኢዩ ዝፈሪ።
ፍረ ዓየ ሰጋው ኢዩ። እንቋቝሓዊ ክሳብ ክቢ ቅርጺ ዝሓዘ ኢዩ። ምስ በሰለ መጀመርታ ብጫ ድሓር ድማ ወይናይ ሕብሪ ኣለዎ። 2.5 ሰንቲሜትሮ ዝበጽሕ ሰንጣቒት ኣለዎ። ፍረ ዓየ ኣብቶም ዘይረግፉ ግልባዳት ሽፋን ዝተሸኵዐ ኢዩ። ስግኡ ልስሉስን ምቁርን ኢዩ።
ዘርኢ
ነፍሲ ወከፍ ፍረ ዓየ፡ ካብ 4 ክሳብ 6 ዝበጽሕ ቡናዊ፡ ጨጓር ዘርእታት ዘካተተ ኢዩ። ቁጽሪ ካብ ሓደ ኪሎግራም ዝርከብ ዘርእታት 2700-3200 ይኸውን። ዘራእቲ ዓየ ብዘይዝዀነ ፍሉይ ክንክን ክዝርኡ ይኽእሉ። ጽቡቕ ብቝሊት ኣለዎም።
ኣብ ክፉት መቐመጢ፡ ዘራእቲ ዓየ ካብ ግዜ ምእራይ ክሳብ ዝስዕብ ወቕቲ ምዝራእ ክሰሩ ይኽእሉ። ኣብ ኣየር ዘየሕልፍ መቐመጢ እንተተዓቚሮም ግና ዘርእታት ዓየ ንነዊሕ እዋን ይሰሩ። ኣብ ምቘት ቤትን ልሙድ ኣየር ዘየእቱ ሕቱም ኩነታት ምዕቋርን፡ ዘራእቲ ዓየ ክሳብ 3 ዓመታት ክሰሩ ይኽእሉ።
ዕንጸይቲ
ርሑስ ነዛዕዕንጸይቲ ገረብ ዓየ ኣጅቦ-ጻዕዳ ሕብሪ ኣለዎ፡ ርሑስ ሕመረትዕንጸይቱ ከኣ በጫው ጽገሬዳ። ክነቅጽ ከሎን ምስ ግዜን ደባን ይኸውን። በብቑሩብ ድማ ደባን ቡናዊ ሕብሪ ይሕዝ።
እልመት ኦም ዓየ ልሙጽ ኢዩ። ጥረታቱ ትኽ ዝበለ ወይ ቁሩብ ዝተናኻኸሰ ኢዩ። ዕንጸይቱ ረዚን፡ ኣዚዩ ተሪር፡ ድልዱል ከምኡውን ዕምሪ ዘለዎ ኢዩ። ንሰፍነግቲ፡ ፋሓቝቲ ንቑጽ ዕንጸይትን ፍልሖን ዝጻወር ኢዩ።
መወከሲታት
Bein, E. and others (1996) Useful Trees and Shrubs in Eritrea: Identification, Propagation and Management for Agricultural and Pastoral Communities. Regional Soil Conservation Unit: Nairobi.
Bekele-Tesemma, Azene (2007) Useful Trees of Ethiopia: Identification, Propagation and Management in 17 Agroecological Zones. RELMA in ICRAF Project: Nairobi.
Ferret, Pierre Victor Adolphe et Galinier, Joseph Germain (1848) Voyage en Abyssinie dans les provinces du tigre, du samen et de L’amhara: Atlas. Paulin: Paris.
Plant Resources of Tropical Africa. Diospyros mespiliformis. Retrieved from https://prota.prota4u.org/protav8.asp?g=pe&p=Diospyros%20mespiliformis
PlantZAfrica. Diospyros mespiliformis. Retrieved from https://pza.sanbi.org/diospyros-mespiliformis
Plants of the World Online. Diospyros mespiliformis Hochst. ex A.DC. Kew Science. Retrieved from https://powo.science.kew.org/taxon/urn:lsid:ipni.org:names:322702-1
Useful Tropical Plants. Diospyros mespiliformis. Retrieved from https://tropical.theferns.info/viewtropical.php?id=Diospyros+mespiliformis
Tropical Plants Database, Ken Fern. tropical.theferns.info. 2025-09-30.
Kew Science – Plants of the World Online. Diospyros mespiliformis Hochst. ex A.DC. Retrieved from https://powo.science.kew.org/taxon/urn:lsid:ipni.org:names:322702-1#:~:text=Angola%2C%20Benin%2C%20Botswana%2C%20Burkina,Sudan%2C%20Tanzania%2C%20Uganda%2C%20Yemen