ስነምድሪ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ጨንፈራት ተፈጥሮኣዊ ታሪኽ ኰይኑ፡ ብሰፊሑ ክርአ ከሎ፡ ንውሽጣውን ደጋውን ክፋላት ምድሪ የጽንዕ። ንኣቃውማ፡ ኣፈላልቓን ምንቅስቓሳትን ምድሪ ከምኡ፣ውን ንትሕዝቶታታን ጸጋታታን ይምርምር። ስነምድሪ ካብ ፈለማ ታሪኽ ንምድሪ ዝቐረጹ መስርሓት ይፍትሽ። መዛግብቲ ኣኻውሕ ተጠቂሙ ንታሪኽ ምድሪ ይዝርዝር። ተፈጥሮኣውያን ነገራት ክፍጠሩ ዝገበሩ መስርሓት፡ ምስ ግዜ ንዝተራእዩ ለውጥታት፡ ከምኡ፣ውን ኣብ መጻኢ ከጋጥሙ ንዝኽእሉ ምቅይያራት ይድህስስ። ንኣብ ዙርያና ዝርከቡ ኣኻውሕ፡ ሓመድ፡ ማዕድናት፡ ኣብ ልዕሊ መሬት ኰነ ኣብ ውሽጢ መሬት ንዝውሕዝ ማይን ካልኦት ነገራትን ይምርምር። ስነምድሪ ምድራዊ ስነፍልጠት ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ ኢዩ።
ዋላ’ኳ ቀደመኛ ስነምድሪ ኣዚዩ ሰፊሕ ይኹን እምበር፡ ዘመናዊ ዓውደትምህርቲ ስነምድሪ ኣብ ምጽናዕ ደረቕ ክፋል ምድሪ ዘድሃበ ኢዩ። መኽንያት ናይዚ ድማ ምስ ምብዛሕ ስነፍልጠታዊ ኣፍልጦ ዓውደ መጽናዕትታት ዝሽፍንዎ ጉዳያት ዝያዳ ከጽብቡ ተደላዪ ኰይኑ ስለዝተረኽበ ኢዩ። ከም ውጽኢቱ፡ ኣብ ትሕቲ ቀደመኛ ስነምድሪ ዝነበሩ ብዙሓት ዛዕባታት ሎሚ ርእሶም ዝኻኣሉ ፍሉይነታት መጽናዕቲ ኰይኖም ንረኽቦም።
ጨንፈራት ስነምድሪ
ዘመናዊ ስነምድሪ ሰለስተ ዓበይቲ ጨናፍር ኣለውዎ። ንሳቶም ድማ ኣካላዊ ስነምድሪ፡ ታሪኻዊ ስነምድሪ ከምኡ፣ውን ከባብያዊ ስነምድሪ ኢዮም።
ኣካላዊ ስነምድሪ
ኣካላዊ ስነምድሪ (physical geology) ንዘይህዋሳዊ ኣካላትን መስርሓትን ምድሪ የጽንዕ። ብዙሓት ዝተፈልዩ ዓውደትምህርታት ዝሓዘ ከኣ ኢዩ። ገለ ካብኣቶም እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፦
- ስነከውሒ (petrology)።
- ስነማዕድን (mineralogy)።
- ቁመናዊ ስነምድሪ (structural geology)።
- ስነመልክዕምድሪ (geomorphology)።
- ስነእሳተጎመራ (volcanology)።
- ስነድበት (sedimentology)።
- ስነምድረማይ (hydrogeology)።
ታሪኻዊ ስነምድሪ
ታሪኻዊ ስነምድሪ (historical geology) ንሕሉፍ ኣቃውማታት፡ ትሕዝቶታትን መስርሓትን ምድሪ፡ ካብ ዝተፈጥረትሉ ክሳብ ሎሚ፡ የጽንዕ። ገለ ካብ ዓበይቲ ዓውደትምህርታቱ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፦
- ገለጻቀጸላ (stratigraphy)።
- ስነጥንቲፍጥረት (paleontology)።
- ስነግዜምድሪ (geochronology)።
ከባብያዊ ስነምድሪ
ከባብያዊ ስነምድሪ (environmental geology) ጥምረትምህርታዊ መጽናዕቲ ርክባት ደቅሰብ ምስ ስነምድራዊ ከባቢ ኢዩ። እዞም ዝስዕቡ ገለ ካብቶም ዓበይቲ ዓውድታት መጽናዕትታቱ ኢዮም፦
- ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት (natural hazards)።
- ምሕደራ ጸጋታት (resource management)።
- ምሕደራ ጓሓፍ (waste management)።
- መጓዓዝያ በከልቲ (contaminant transport)።
ስነምድረኛታት እንታይ ይገብሩ?
ስነምድረኛታት ኣብ በብዓይነቱ ሸቕልታት ኣብ ዝተፋላለዩ ትካላት ዕዮ፡ ኩባንያታትን ማሕበራትን ይሰርሑ። ገሊኦም ኣብ ቤት-ጽሕፈታት ክሰርሑ ከለዉ፡ ገሊኦም ኣብ ግዳም ይሽቅሉ፡ ካልኦት ከኣ ንኽልቲኡ ዝሕውስ ተልእኾታት የካይዱ። ኣብ ህዝባውያንን ብሕታውያንን ኩባንያታት፡ ኣብ መንግስታውያን፡ ኣህጉራውያን ከምኡ’ውን ዘይመንግስታውያን ማሕበራት፡ ኣብ ንግዳውያን ትካላትን ዘይንግዳውያን ማሕበራትን ይዓዩ። ገለ ካብቶም ስነምድረኛታት ዝሰርሕሎም ጽላታት እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፣ ዕደና፡ ህንጻ፡ ህንደሳ፡ ጽዓት፡ ትምህርቲ፡ ምርምር፡ መራኸቢታት፡ ኣከባቢ፡ ጽሬት፡ ስርዓተሕጊ፡ ምክልኻል ሓደጋታት፡ ምሕደራ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ፡ ወዘተ።
ካብቶም ስነምድረኛታት ዘካይድዎም ዕዮታት እዞም ዝስዕቡ ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል፣
- ስነምድራዊ ስነዳ መሮር፣ ንዓይነታት ኣኻውሕን ስነምድራዊ ኣቃውማን ሓደ ቦታ ምምርማርን ከመይ ከምዝዛመድ ምግላጽን። ካብኡ ተመርኲስካ ከኣ ስነምድራዊ ካርታ ምድላው።
- መርኣያ ስነምድራዊ ዳህሳስ ምክያድ።
- ምድረኢደግብራዊ ስነዳ፣ ንህንደሳዊ ባህርያት ኣኻውሕን ድልዳሊኦምን ቅድሚ ዝዀነ ዓይነት ህንጸት ወይ መሬታዊ ለውጢ ምግምጋም። ንኣብነት ቅድሚ ህንጻ ገለሪያ ምክዋን።
- ስነምድራዊ ምዝገባ፣ እዚ ኣብ መሮር ዝግበር ምስ ስነምድራዊ ኩዕታ ዝተኣሳሰረ ኢዩ። ስነምድረኛታት ኣብ ትሕቲ ገጽ መሬት ዝርከብ ስነምድራዊ ኣቃውማ ንምርዳእ፡ ብኹዕታ ንዝወጹ ኣኻውሕ ይገልጹ። ምዝገባ ኣብ ልዕሊ ገጽ መሬት ዝርከቡ ድበታውያን ወይ እሳተጎመራውያን ኣኻውሕ እውን ሕሉፍ ከባብያዊ ለውጥታት ንምጽናዕ ወይ መርኣያ ቦታታት ብቕኑዕ ንምምልካት የገልግል። ስነምድራዊ ምዝገባ እዞም ዝስዕቡ ዓይነታት የጠቓልል፣
- ምዝገባ ሕመረት ከውሒ (ወይ ምዝገባ ጭንፋል ከውሒ)፣ እዚ ንኩባንያታት ነዳድን ዳህሰሳን ኣገዳሲ ኢዩ።
- ምዝገባ ጭቃ፣ እዚ ኣብ ዳህሳስ ነዳድን ጋዝን ወሳኒ ዕዮ ኢዩ።
- ምድረኢደግብራዊ ምዝገባ፣ ኣብ ትሕቲ መሬት ዘለዉ ኣኻውሕ ክሳዕ ክንደይ ተረርቲ ወይ ድኹማት ምዃኖም ሕመረት ከውሒ ብምጽናዕ ዝግምግም ኢዩ።
- ስርሓት ቤተምርምር፣ ስነምድራዊ ምርመራታት ምክያድ ከምኡ’ውን ንዝተፈላለያ ኩባንያታትን ትካላትን (ከም ትካላት ዕደና፡ ነዳድን ጋዝን፡ ህንደሳ፡ ኣከባቢ ዝ ኣመሰላ) ዝጠቅም ጥረሓበሬታ ምምስራሕ። ሸቕሊ ቤተምርምር እዞም ዝስዕቡ ዕዮታት የጠቓልል፣
- ስራሕ ማይክሮስኮፕ፣ ንኣዚዩ ደቀቕቲ ትርኢታት ኣኻውሕ ብማይክሮስኮፕ ምጽናዕ።
- ምድረቀመማዊ ትንተና፣ ቀመማዊ ሜላታት ተጠቂምካ ንባህርያት መርኣያታት ምቕላዕ። ንኣብነት ሓጺናዊ ትሕዝቶ ወይ ዓይነት ነዳዲ ምግሃድ።
- ምድረሜካኒካዊ ፈተነታት፣ ድልዳሌ ኣኻውሕ ምፍታን።
- ብኮምፒተር ዝግበር ስርሓት፣ ኩሎም ስነምድረኛታት ብዙሕ ዕዮታቶም ፍሉይ ሶፍትዌራት ብምጥቃም ኣብ ኮምፒተር የካይድዎ። ነዞም ዝስዕቡ ከኣ የጠቓልል፣
- ስርዓታት ጽንዓተምድራዊ ሓበሬታ (ስ።ጽ።ሓ)፣ እዚ ብቐንዱ ኣብ ኮምፒተር ዝካየድ ስነምድራዊ ስነዳ መሮር ኰይኑ፡ ስነምድረኛታት ካብ መሮር ንዝኣከብዎ ጥረሓበሬታ ኣብ ድጂታላዊ መኽዘን ጥረሓበሬታ ምኽታት ኢዩ።
- ምሕደራ መኽዘን ጥረሓበሬታ።
- ስርሓት ንድፊ፣ እዚ ዓይነት ሸቕሊ ዘካይዱ ስነምድረኛታት ስልጠና ኣጠቓቕማ ፍሉይ ሶፍትዌር ወይ ኮምፒተር ፕሮግራሚንግ የድልዮም። ነዞም ዝስዕቡ ዘጠቓለሉ ስርሓት ከኣ የካይዱ፣
- ምንዳፍ ስነምድራዊ መስርሓት (መብዛሕትኡ እዋን ንምርመራ ዝዓለመ ኢዩ)።
- 3-ወገናዊ ንድፊ ዕቑር ማዕድን፡ መሬት ነዳዲ ወይውን ዕቑር ማይ ምድላው።
- ንብህንደሳዊ ውጥን ዝቕየር ስነምድራዊ ሓውሲ ገጸመሬት ምንዳፍ።
- ጸብጻባት ምጽሓፍ፣ ከም ኩሎም ስነፍልጠኛታት፡ ስነምድረኛታት ንኹሉ ርኽበታቶም ብጽፉፍን ንጹርን መንገዲ ክጽብጽብዎ የድሊ። እዚ ካብ ዕለታዊ ጸብጻብ ምቕራብ ክሳብ ምድላው ዓንቀጻት ወይውን መጽሓፍ ክበጽሕ ይኽእል።
ምንጭታት
American Geosciences Institute. Geoscience Workforce. Retrieved from https://www.americangeosciences.org/workforce
Geological Society of London and University Geoscience UK. What is Geology? Retrieved from https://www.geolsoc.org.uk/Geology-Career-Pathways/What-is-Geology
Geological Society of London and University Geoscience UK. What do geologists do? Retrieved from https://www.geolsoc.org.uk/Geology-Career-Pathways/What-is-Geology/What-do-Geologists-do
Geological Society of London and University Geoscience UK. Job Sectors. Retrieved from https://www.geolsoc.org.uk/Geology-Career-Pathways/Careers/Job-Sectors
Indeed Editorial Team (2023) What Is a Geologist? (With Duties, Skills and Salary). Indeed.com India. Retrieved from https://in.indeed.com/career-advice/finding-a-job/what-is-a-geologist
Whittinghill, Kyle (2024) Introduction to Geology. In Environmental Science. Compiled by LibreTexts Project. University of Pittsburgh. Retrieved from https://bio.libretexts.org/Courses/University_of_Pittsburgh/Environmental_Science_(Whittinghill)/06%3A_Geology/6.01%3A_Introduction_to_Geology
U.S Bureau of Labor Statistics. Geoscientists. In Occupational Outlook Handbook. Retrieved from https://www.bls.gov/ooh/life-physical-and-social-science/geoscientists.htm#:~:text=Geologists%20study%20the%20materials%2C%20processes,to%20them%20since%20their%20formation.