ትርጉም ናይቲ ብዛዕባ መስርሕ ምዕባይን ምሕባርን ንግስነት ኣኽሱም ዝሕብረና፡ ብኣድማሱ ህንዳዊመንገደኛ ኣብ መጽሓፍ ቅርጸመሬት ክርስትያን1 ዝተሰነደ ትሕዝቶ ጽሕፈት ሓወልቲ ኣዱሊስ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ። ብዘይካ ናይ ኣይቶ ማክሪንዴል ናይ ፈለማ ትርጓሜ ቅርጸመሬት ክርስትያን፡ ናይ ፊሊፕ ሃርላንድ2 ሜላ ኣጸሓሕፋ ኣስማት ኣብቲ ግሪኻዊ ጽሕፈት ዝተጠቕሱ ኣህዛብ ኣብዚ ጽሑፈይ ተጠቒመ ኣለኹ።

“…በጽሒ ሰብኣይ ምስኰንኩ፡ ነቶም ምስ መንግስተይ ዝዳወቡ ኣህዛብ እውን ብሰላም ክነብሩ ምስ ኣገደድኩ፡ ምስዞም ዝስዕቡ ኣህዛብ ኲናት ገጠምኩ፡ ብሓይሊ ኣጽዋር ድማ ክግዝኡ ገበርኩ። ፈለማ ምስ ህዝቢ ጋኣዘ፡3 ብድሕሪኡ ምስ ዓጋመ4 ከምኡ’ውን ሰግየነ5 ተዋጋእኩ። ምስ ሰዓርክዎም ከኣ ፈረቓ ናይ ኩሉ ዝውንንዎ ክኸፍሉ ኣገደድኩ።”

“ቀጺለ ንኣዋ፡6 ነቶም ጽያሞ7 ተባሂሎም ዝጽውዑ ትያሞ፡ ንጋምቤላ8 ከምኡ’ውን ነቶም ጥቕኦም ዘለዉ ነገዳት [እቶም ስግር ናይል ዘለዉ ነገዳት ማለቱ ኢዩ]9 ኣሰነፍኩ። ህዝብታት ዚንጋበነ፡ ኣጋበ፡10 ትያማ፡11 ኣትሃገውስ፡12 ከላኣ፡13 ከምኡ’ውን እቶም ስግር ናይል ኣብ ክትድይቦም ዘሸግሩ፡ ብበረድ እውን ዝተሸፈኑ፡ ዓመት መመላእታ ብመሸምቦባታትበረድ፡ ውርጭታት፡ ከምኡ’ውን ንሰብኣይ ክሳብ ብርኪእግሪ ዝውሕጥ በረዳት ዝዓሰሎ ክረምቲ ዘይፍለዮም እምባታት ዝነብሩ ሰሜናይ14 ሰዓርኩ። ነዞም ኣህዛብ ከጥቅዕ ነቲ ሩባ ተሳገርኩ፡15 ኣሰነፍክዎም እውን።”

“ብድሕርዚ ንኣብ ተረርቲ ዓቐበታት ዘለዎም፡ ውዑይ ማያት እውን ዝተዓደሉ ኣኽራናት ዝቕመጡ ነገዳት ላዚነ፡ ዘኣ ከምኡ’ውን ገበላ ኣንበርከኽኩ።16 ንኣታልሞ፡ በጋ17 ከምኡ’ውን ንኹላቶም ኣብቲ ከባቢ ምስኣቶም ዘለዉ ነገዳት ኣስገድኩ። ቀጺለ ኣንጻር እቶም ኣብ ጥቓ ዶባት ግብጺ ዝርከቡ ተካውያን18 ገስገስኩ። ምስ ኣሰነፍክዎም ድማ ካብዚ ክፋል ግዝኣታተይ ብንቑጽ መሬት ምስ ግብጺ ዘራኽብ መንገዲ ገበርኩ።”

“ኣስዒበ ነቶም ኣብ ሸለው ዝበሉ እምባታት ዝሰፈሩ ነገዳት ኣነነን መቲነን ሰዓርኩ። ብድሕርዚ ኣጽዋረይ ኣንጻር ህዝቢ ሰስያ19 ኣቕናዕኩ። ንሳቶም ከኣ ናብ ክትድይቦ ዘሸግር በሪኽ እምባ ኣንሳሓቡ። ኣነ ድማ ነቲ እምባ ብኹሉ ወገኑ ከርደንክዎ እሞ፡ ካብኡ ወሪዶም ንኽማረኹ ኣገደድኩ። ሽዑ ዘዝበለጹ መንእሰያቶምን ኣንስቶምን፡ ምስ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን፡ ምስኡ እውን ኩሉ ካብ ዝውንንዎ ዘበለ ንዓይ ዝኸውን ሓረኹ። ቀጺለ ንነገዳት እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዕጣን20 ኣብ ዝርከብ ሰፊሕ ማይኣልቦ ጐላጉል ዝተበተነ ኣረሜናዊ ዓሌት ርሃውሲ21 ኣስገድኩ። [ብድሕርዚ ናብ ባሕሪ ገስገሰ]22 ህዝቢ ሶላተ23 ተጓነፈኒ። ምስ ሰዓርክዎም ድማ ንገምገም ባሕሪ ክሕልዉ መምርሒ ሂበ ሓደግክዎም።”

“ኩላቶም እዞም ኣህዛብ ብዘይድፈሩ ኣኽራናት ዝተሓለዉ እኳ እንተነበሩ፡ ኣነ ባዕለይ ዝተሳተፍክዎ ግጥማት ብምክያድ ኣሰነፍክዎም። ምስ ተምበርከኹ ከኣ ግብሪ ክኸፍሉ ገይረ መሬታቶም መለስኩሎም። ብዘይካ እዚኦም፡ ብዙሓት ካልኦት ኣህዛብ እውን ብገዛእ ፍቓዶም ሰገዱ። ከምኣቶም ገባሮ እውን ኰኑ።”

“ዕስለ መራኽብን ሓይልታት ምድርን ኣንጻር እቶም ኣብ ስግር ቀይሕ ባሕሪ ዝቕመጡ ዓራቢያንን24 ኪናይዶኮልጲያንን25 ለኣኽኩ። ንነገስታት ክልቲኦም ኣህዛብ ድሕሪ ምምብርካኽ ከኣ ዝኸፍልዎ ግብሪ መሬት ሰሊዐ መገሻ ብንቑጽ ምድሪ ኰነ ብባሕሪ ከውሕሱ ኣዘዝኩ። በዚ ድማ ንብምልኡ ካብ ሉኬ-ኮም26 ክሳብ ሃገር ሳባውያን27 ዝዝርጋሕ ገምገም ባሕሪ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽረይ ኣእተኹ።”

“ካብቶም ቅድመይ ዝነበሩ ነገስታት ኣነ ጥራሕ ኢየ ንመጀመርታ ግዜ ንኹሎም እዞም ኣህዛብ ክገዝእ ዝኻኣልኩ። እምበኣር ከስ ከም መግለጺ ምስጋናታተይ፡ ንዝወለደኒ፡ ብረዲአቱ እውን ንኹሎም ምስ ናተይ ሃገር ዝዳወቡ ኣህዛብ ዝገዛእኩ፡ ማለት ብምብራቕ ክሳብ ኣረይቲ-ዕጣን፡28 ብምዕራብ ከኣ ክሳብ ኢቲዮጲያን29 ሳሱን፡30 ንብርቱዕ ኣምላኸይ ኣሪስ31 እዚ ሞባእ የቕርብ ኣለኹ። ገለ ካብዞም ወፍርታት ኣነ ባዕለይ ብኣካል ዘካየድክዎም እሞ ብዓወት ዝተዛዘሙ ክዀኑ ከለዉ፡ ዝተረፉ ድማ ንመኳንንተይ ዝገደፍክዎም ኢዮም። ኣብ ኩሉ ኣብትሕቲ ስልጣነይ ዘሎ ዓለም ሰላም ኣስፊነ ናብ ኣዱሊስ ወረድኩ። ምስ ኩሎም ብመራኽብ ኣብ ባሕሪ ዝጓዓዙ ክመሓዘዉ ናብ ዚዩስ፡32 ኣሪስን ፖሳይዶንን33 ተማህሊለ ከኣ መስዋእቲ ኣቕረብኩ። ከምኡ’ውን ኣብዚ ንኹላቶም ሓይልታተይ ኣኻኸብኩ፡ ነዚ ዙፋን34 ኣብዚ ኣቊመ ድማ ኣብ መበል ዒስራን-ሸውዓተን ዓመት ንግስነተይ ንኣሪስ ቀደስክዎ።”

መወከሲ ነጥብታት

  1. The Christian Topography of Cosmas, An Egyptian Monk. Translated from the Greek, and Edited, with Notes and Introduction by J.W. McCrindle (1897). Printed at the Broford Press for Hakluyt Society: London. ↩︎
  2. Philip A. Harland, ‘Axumite perspectives: Inscription by the king of Axum on the Ethiopian and Arabian peoples he conquered (late-second or early-third century CE),’ Ethnic Relations and Migration in the Ancient World, last modified April 6, 2024, https://philipharland.com/Blog/?p=15458. ↩︎
  3. ጋኣዘ ኣብ ዙርያ መጠራ፡ ናይ ሎሚ ሃገረ ኤሪትራ፡ ዝሰፈሩ ኢዮም ነይሮም። “ግእዛይ”፡ “ጉኡዛይ”፡ “ጉዛይ” ዝብል ኣጸዋውዓ ድቃል ስሞም ኢዩ። ↩︎
  4. ዓጋመ ኣብ ዙርያ ዓዲ ግራት፡ ትግራይ፡ ናይ ሎሚ ኢቲዮጲያ፡ ዝሰፈሩ ኢዮም ነይሮም። ስሞም ክሳብ ሎሚ ከይተለወጠ ከምዝነበሮ ተዓቂቡ ይርከብ። ↩︎
  5. ሰግየነ ምናልባት ኣብ ዙርያ ሰገነይቲ፡ ናይ ሎሚ ሃገረ ኤሪትራ ሰፊሮም ዝነበሩ ክዀኑ ይኽእሉ። ኣይቶ ማክሪንዴል ንሰግየነ “ሰግየ” ብምባል ጽሒፍዎ። ↩︎
  6. ጸብጻብ መገሻ ኖኖሱስ፡ ልኡኽ ሃጸይ ዩስጠኒዮስ ናይ ንግስነት ሮማ ናብ ንጉስ ኣኽሱም ኣብ 531 ድ።ል።ክ፡ ኣዋ ኣብ ፍርቂ መንገዲ ኣዱሊስን ኣኽሱምን ከምዝነበረ ይሕብረና። እዚ ማለት ከኣ ኣብ ከባቢ ድባርዋ፡ ናይ ሃገረ ኤሪትራ ማለት ኢዩ። ገለ ሰባት ኣዋ ዓድዋ ከምዝዀነ ዝጽሕፉ ኣለዉ። እንተዀነ ግን እቲ ኣምባሳድር ኖኖሱስ ብዛዕባ ኣዋ ዝጸሓፎ ፈጺሙ ምስ ዓድዋ ዘይቃዶ ኢዩ። ↩︎
  7. ህቡብ ጀርመናዊ ታሪኸኛ ኢዮብ ሉዶልፍ ከምኡ’ውን ልኡኽ መንግስቲ ብሪጣንያ ናብ ምድረሓበሻ ኣብ ጥቓ 1810 ዝነበረ ኣይቶ ሄንሪ ሶልት ኣብክንዲ “ጾሮና” “ጻማ” ብምባል ጽሒፎም። ስለዚ እዚ “ጽያሞ” ተባሂሉ ዘሎ ንኣብ ዙርያ ጾሮና፡ ሃገረ ኤሪትራ ዝነበረ ነገድ ዘመልክት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ↩︎
  8. ጋምቤላ ኣብቲ ኣብ ኲሓ ማእከሉ ዝነበረ ወረዳ ገምቤላ ናይ ኣውራጃ እንደርታ፡ ኣካል ናይ ሎሚ ክልል ትግራይ፡ ኢቲዮጲያ ዝነበሩ ህዝቢ ኢዮም። ↩︎
  9. እዞም ኣብውሽጢ ሓጹር ዘለዉ ቃላት ደረታዊ ጽሑፍ ኣቚሞም ዝነበሩ፡ ዳሓር ግና ሰሊኾም ናብ ቀንዲ ጽሑፍ ኣድማሱ ዝኣተዉ ይመስሉ። መጻሓፍቲ ብኢድ ይቕድሑ ስለዝነበሩ እዚ ብቐሊል ዘጋጥም ክስተት ኢዩ።
    ኣብዚ ናይል ክብል ከሎ ኣውራ ፈለግ ናይል ማለቱ ኣይኰነን። እቲ ዓቢ ምብራቓዊ ኣበርካቲ ናይል ዝዀነ ፈለግ ተከዘ ማለቱ ኢዩ። ተከዘ ቅድሚ ናብ ናይል ምጽንባሩ ምስ ኣትባራ ኣብ ናይ ሎሚ ሱዳን ይጽንበር። ↩︎
  10. ኣጋበ ነቶም ኣብ ዙርያ ኣጋበ ሰፊሮም ዝነበሩ ነገድ ዘመልክት ይመስል። ኣይቶ ማክሪንዴል ግና ኣንጋበ ኢሉ ጽሒፍዎ ኣሎ። ↩︎
  11. ልኡኽ መንግስቲ ብሪጣንያ ናብ ምድረሓበሻ ኣብ ጥቓ 1810 ዝነበረ ኣይቶ ሄንሪ ሶልት ኣብክንዲ “ጣና”፡ “ትያማ” ኢሉ ጽሒፉ። ስለዚ “ትያማ” ንናይ ጥንቲ ተቐማጦ ኣውራጃ ደምቢያ ዝነበሩ ነገድ ዘመልክት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ↩︎
  12. ኣትሃገውስ ብልሻው “ዓድኣገው” ኢዩ ዝመስል። ↩︎
  13. ከለኣ ኣብታ ጥንታዊት ከተማ ኮሎ፡ ናይ ሎሚ ቋሃይቶ ወይ ቆሃይቶ፡ ናይ ሃገረ ኤሪትራ፡ ማእከሎም ዝነበረ ህዝቢ ኢዮም። “ኣከለ” ካብ ከለኣ ዝፈለቐ ኢዩ። ↩︎
  14. ሰሜናይ ኣብቲ ሰማይ ጠቀስ እምባታት ዝበዝሖ ኣውራጃ ሰሜን ዝቕመጡ ዝነበሩ ህዝቢ ኢዮም። ኣኽራናት ሰሜን ካብቶም በረድ ዝወድቀሎም ውሑዳት ቦታታት ኣፍሪቃ ኢዮም። እንተዀነ ግና ተርእዮን መጠንን ዝወድቕ በረድ ብመኽንያት ምብራስ ኣግራብን ንሱ ዘስዓቦ ክሊማዊ ለውጥን ካብ ናይ ጥንቲ ኣዚዩ ጐዲሉ ይርከብ። ↩︎
  15. ፈለግ ተከዘ ማለቱ ኢዩ። ↩︎
  16. ኣብ ፍሉይ ዞባ ኦሮሚያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ክፋል ክልል ኣምሓራ፡ ናይ ሎሚ ኢቲዮጲያ ዝቕመጡ ዝነበሩ ኣህዛብ። ↩︎
  17. በጋ ሓደ ጥንታዊ ነገድ ዓሌት በጃ ኰይኑ፡ ኣብቲ ናይ ቀደም ኣውራጃ በገምድር ኣብ ናይ ሎሚ ኢቲዮጲያ ይቕመጥ ነይሩ። ቀደም በገምድር፡ ብሰሜን ምስቲ ፈርካ በር ዝርከበሉ ሰንሰለት ጎቦታት፡ ብደቡብ ምስ ፈለግ ኣባይን ናቱ ተጸንባሪ ዝዀነ ፈለግ ባሺሎ፡ ብምዕራብ ምስ ቀላይ ጣና፡ ብምብራቕ ድማ ምስ ፈለግ ተከዘ ዝዳወብ ኣብ ናይ ሎሚ ክልል ኣምሓራ ዝነበረ ኣውራጃ ኢዩ። ↩︎
  18. ተካውያን እቶም ዝበርትዑ ነገድ ናይ ዓሌት በጃ ኣብቲ ግዜ ዝነበሩ ኰይኖም፡ ነቲ ቅድም ተካ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ኣብ ዙርያ ከሰላ ዝነበረ ኣውራጃ ናይ ሎሚ ምብራቕ ሱዳን ዘስመዩ ኢዮም። ↩︎
  19. ኣብ ዙርያ ኣሶሳ ዘሎ ክፋል ናይ ሎሚ ኢቲዮጲያ ዝነበሩ ህዝቢ። ↩︎
  20. ናይ ሎሚ ሶማልያን ምብራቓዊ ቆላታት ናይ ሎሚ ኢቲዮጲያን። ↩︎
  21. ፊሊፕ ሃርላንድ ርሃውሶ ኢሉ ጽሒፍዎ ኣሎ። ↩︎
  22. እዞም ኣብውሽጢ ሓጹር ዘለዉ ቃላት ደረታዊ ጽሑፍ ኣቚሞም ዝነበሩ፡ ዳሓር ግና ሰሊኾም ናብ ቀንዲ ጽሑፍ ኣድማሱ ዝኣተዉ ይመስሉ። መጻሓፍቲ ብኢድ ይቕድሑ ስለዝነበሩ እዚ ብቐሊል ዘጋጥም ክስተት ኢዩ። ↩︎
  23. እዚኦም ኣብቲ ሎሚ ቀቢላታት ሶማልን ዓፋርን ሰፊረሞ ዘለዉ ደቡብምብራቓዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ፡ ብወገን ኣፍሪቃ፡ ዝነበሩ ህዝቢ ኢዮም። ↩︎
  24. ዓራቢያን ንሓውሲደሴት ዓረብ ዘስመዩ ጥንታውያን ነገድ ዓረብ ኢዮም። ↩︎
  25. ኪናይዶኮልጲያን ህዝቢ ነገድ ከንደቱ ኰይኖም፡ ኣብቲ ንመብዛሕትኡ ክፋል ናይ ሎሚ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ስዑዲ ዓረብ ዘቕውም ኣልሒጃዝ ዝቕመጡ ዝነበሩ ኢዮም። ↩︎
  26. ሉኬ-ኮም ናይ ሎሚ ከተማዊት ወደብ ኣል-ዋጅ ናይ ስዑዲ ዓረብያ ወይ ድማ ኣብ ጥቓ ወሽመጥ ኣቃባ ኣብ ሰሜን-ምዕራብ ስዑዲ ዓረብያ እትርከብ ኣይኑና ተባሂላ እትጽዋዕ ዓዲ ኢዩ። ↩︎
  27. ሓደ ክፋል ናይ ሎሚ የመን። ↩︎
  28. ሰሜናዊ-ምብራቕ ክፋል ናይ ሎሚ ሶማልያ። ↩︎
  29. ነቲ ኣብ መሮወ ማእከሉ ዝነበረ ንግስነት ኩሽ ወይ ንግስነት ኑብያ ማለቱ ኢዩ። ↩︎
  30. ኣብ ዙርያ ኣሶሳ ዘሎ ምዕራባዊ ክፋል ናይ ሎሚ ኢቲዮጲያ። ↩︎
  31. ግሪኻዊ ጣኦታዊ ኣምላኽ ኲናት፡ መዘና ቅድሚ ክርስትና ዝምለኽ ዝነበረ ማእረም ወይ ማሀር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ኣኽሱማዊ ጣኦታዊ ኣምላኽ። ↩︎
  32. ግሪኻዊ ጣኦታዊ ኣምላኽ ሰማይ፡ መዘና ቅድሚ ክርስትና ዝምለኽ ዝነበረ ዓስታር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣኽሱማዊ ጣኦታዊ ኣምላኽ። ↩︎
  33. ግሪኻዊ ጣኦታዊ ኣምላኽ ባሕሪ፡ መዘና ቅድሚ ክርስትና ዝምለኽ ዝነበረ በሀር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣኽሱማዊ ጣኦታዊ ኣምላኽ። ↩︎
  34. ነቲ ሓወልቲ ባዕሉ ማለቱ ኢዩ (ብቕርጺ ዙፋን ዝተሰርሐ ስለዝዀነ)። ↩︎