ሕርሻዊ ስነፍልጠት ኣዚዩ ሰፊሕ ስለዝዀነ፡ ኣድማዕነትን ፍርያምነትን መጽናዕትታትን ምርምራትን ንምድንፋዕ ተባሂሉ ናብ ብዙሓት ንኡስዓውድታት ይካፋፈል። እዞም ዝስዕቡ ገለ ካብቶም ፍሉጣት ፍሉይነታቱ ኢዮም፦

ስነግራት

ስነግራት (agronomy) ንስነፍልጠታት ሓመድን ተኽልን ኣብ መዓላ መፍረ እኽሊ ግራትን ከይዲ መሬትን ዘውዕል ኢዩ። እቶም ዓበይቲ ጨናፍራቱ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፦

ዋዕላዊ ወይ ዘይህዋሳዊ ማሕረስ

ዋዕላዊ ወይ ዘይህዋሳዊ ማሕረስ (conventional or inorganic farming) እቶት እኽልን መኽሰብነቶምን ንምድንፋዕ፡ ጽማራዊ እታዋት (ከም ሰብሰርሖ መዳበርያታት፡ መቕተልባልዓት፡ ብስነፍጥረት ዝተቐየሩ ህዋሰኛታት፡ ወዘተ) ከምኡ፣ውን ሰፊሕ ሽፋን ዘለዎም ስርሒታት ማሕረስ ዝጥቀም ዓያይነታዊ ሕርሻ ኢዩ።

ህዋሳዊ ማሕረስ

ህዋሳዊ ማሕረስ (organic farming) ተፈጥሮኣዊ መንገድታት፡ መስርሓት፡ ወ ስነሂወታዊ ናውቲ (ከም ምብርራይ እኽሊ፡ ህዋሳዊ መዳበርያ፡ ወዘተ ዝበሉ) ብምጥቃም፡ ጽማራዊ ሕመረታት (ከም መቕተልባልዓት፡ መቕተልተኽልታት፡ ሰብሰርሖ መዳበርያታት፡ ብስነፍጥረት ዝተቐየሩ ህዋሰኛታት፡ ወዘተ ዝበሉ) ግና ብምግዳፍ ዝጠዓየ ስርዓተከባቢታትን ፍርያት መግብን ኣብ ምፍጣር ዘድህብ ፍሉይነት ሕርሻዊ ስነፍልጠት ኢዩ።

ሕርሻ እንስሳ

ሕርሻ እንስሳ (animal agriculture or animal farming) ንሰባት ንምጥቃም ዝግበር ምውልላድ፡ ምዕባይን ምክያድን እንስሳታት ኢዩ። ገለ ካብ ዓበይቲ ንኡሳን ጨናፍሩ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፦

ማሕረስ ጥሪት

ማሕረስ ጥሪት (livestock farming) ዝተፈላለየ ኣገልግሎታት ዝህቡ ከም ከብቲ፡ ኣባጊዕ፡ ኣጣል፡ ኣእዱግ፡ ኣፍራስ፡ ኣግማል፡ ወዘተ ዝበሉ እንስሳታት ዘቤት ኣብ ምፍራይ ዘተኩር ዓውዲ ሕርሻ ኢዩ።

ማሕረስ ጸባ

ማሕረስ ጸባ (dairy farming) ኣብ መፍረ ጸባን ውጽኢታት ጸባን (ከም ኣጅቦ፡ ርግኦ ዝበሉ) ዘተኩር ጨንፈር ሕርሻ እንስሳ ኢዩ።

ማሕረስ ስጋ

ማሕረስ ስጋ (beef farming) ኣብ ስጋ ምፍራይ ዘድህብ ሕርሻ እንስሳ ኢዩ።

ማሕረስ ደርሁ

ማሕረስ ደርሁ (poultry farming) ኣብ ምፍራይ እንቋቝሖን ስጋን ዝህባ ኣዕዋፍ (ከም ደርሆ፡ ዛግራ፡ ማይደርሆ፡ ወዘተ ዝበሉ) ዘተኩር ጨንፈር ሕርሻ እንስሳ ኢዩ።

ማሕረስ ሓሰኻ

ማሕረስ ሓሰኻ (insect farming) ኣብ ምዕባይ፡ ምውልላድን ምክያድን ንሰብ ዝጠቕሙ ሓሳኹ ዘድህብ ዓውዲ ሕርሻ እንስሳ ኢዩ። ገለ ካብ ፍሉጣት ንኡሳን ዓውድታቱ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፦

ሕርሻንህቢ

ሕርሻንህቢ (apiculture) ኣብ ምፍራይን ምክንኻንን ኣናህብ፡ ንንግዳዊ (ከም መፍረ መዓር፡ ስምዒንህቢ ዝበለ) ወይ ንሕርሻዊ (ከም ጽግእነት ኣትክልቲ ዝበለ) መዓላታት፡ ዘተኩር ጨንፈር ማሕረስ ሓሰኻ ኢዩ።

ሕርሻሃሪ

ሕርሻሃሪ (sericulture) ፈትሊሃሪ ንምፍራይ ዝግበር ምርባሕን ምክንኻንን ሓሳኹ ሃሪ ኢዩ።

ሕርሻ ላክስ

ሕርሻ ላክስ (lac culture) ዕንዲዳ ላክስ ንምፍራይ ዝካየድ ምርባሕን ምክንኻንን ሓሳኹ ላክስ ኢዩ።

ሕርሻ ኮኪኖስ

ሕርሻ ኮኪኖስ (cochineal farming) ኣብ ምምስራሕ ቀለም ከርሚር ዘገልግሉ ሓሳኹ ኮኪኖስ ምርባሕን ምክንኻንን ኢዩ።

ሕርሻማይ

ሕርሻማይ (aquaculture) ምፍራይን ምክንኻንን ከም ዓሳታት፡ ልምሉምታታት፡ ዛዕጎሎት፡ ማያዊ ኣትክልቲ ዝበሉ ማያውያን ህዋሰኛታት ኢዩ። ገለ ካብ ንኡሳን ጨናፍሩ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፦

ማሕረስ ዓሳ

ማሕረስ ዓሳ (fish farming) ምርባሕን ምክንኻንን ዓሳታት ኣብ ዝተኸለለ ማያዊ ስፍራ ኢዩ።

ማሕረስ ዛዕጎልዓሳ

ማሕረስ ዛዕጎልዓሳ (shellfish farming) ከም ተምሪባሕርን ጉጥን ዝበሉ ልምሉምታታት ከምኡ፣ውን ከም ሳርዲን ዝበሉ ዛዕጎሎት ዘጠቓለለ ምፍራይን ምሕፋስን ማያውያን ዘይመላግቦኛታት ኢዩ።

ሕርሻሰበባ

ሕርሻሰበባ (algaculture) ኣብ መፍረ ፍጣራት ሰበባ ዘተኩር ጨንፈር ሕርሻማይ ኢዩ።

ህዋሳዊ ሕርሻማይ

ህዋሳዊ ሕርሻማይ (organic aquaculture) ተፈጥሮኣዊ መንገድታትን ጥረነገራትን ተጠቂሙ ኣብ ማሕረስ ዓሳታትን ካልኦት ማያውያን ፍጣራትን ዘድህብ ጨንፈር ሕርሻማይ ኢዩ።

ሕርሻገደና

ሕርሻገደና (horticulture) ኣብ ምብቋልን ምክንኻንን ፍረታት፡ ኣሕምልቲ፡ መማላኽዒ ኣትክልትን ጠቐምቲ ኣግራብን ዘተኩር ኣገዳሲ ፍሉይነት ሕርሻዊ ስነፍልጠት ኢዩ። እዞም ዝስዕቡ ገለ ካብ ዓበይቲ ንኡሰዓውድታቱ ኢዮም፦

ምርባሕ ተኽሊ

ምርባሕ ተኽሊ (plant propagation) ካብ ዘራእቲ፡ ቁራጻትን ዝተፈላለዩ ክፋላት ኣትክልትን ብኸመይ ተኽሊ ይባቘል ዘጽንዕ ንኡስዓውዲ ሕርሻገደና ኢዩ።

ሕርሻፍረ

ሕርሻፍረ (fruticulture) ኣብ ምፍራይን ምክንኻንን ኣትክልቲ ፍረታት ዘድህብ ጨንፈር ሕርሻገደና ኢዩ።

ሕርሻዕምባባ

ሕርሻዕምባባ (floriculture) ኣብ ምብቋልን ምክንኻንን ዕምባባታት ዘተኩር ንኡስዓውዲ ሕርሻገደና ኢዩ።

ሕርሻወይኒ

ሕርሻወይኒ (viticulture) ኣብ ምብቋል፡ ምክንኻንን ምእራይን ወይኒ ዘድህብ ጨንፈር ሕርሻገደና ኢዩ።

ሕርሻገረብ

ሕርሻገረብ (arboriculture) ኣብ ምብቋልን ምክንኻንን ጠቐምቲ ኣግራብ ዘድህብ ንኡስዓውዲ ሕርሻገደና ኢዩ። ።

ሕርሻሓምሊ

ሕርሻሓምሊ (olericulture) ኣብ ምብቋል፡ ምክንኻንን ምዕጻድን ኣሕምልቲ ዘተኩር ጨንፈር ሕርሻገደና ኢዩ።

ሕርሻኦም

ሕርሻኦም (silviculture) ንጽርበት ዝኸውን ኣእዋም ንምፍራይ፡ ኣብ ምቁጽጻር ኣቃውማ፡ ዕብየት፡ ትሕዝቶ፡ ጥዕናን ብቕዓትን ዱራት ዘድህብ ንኡስዓውዲ ሕርሻገደና ኢዩ።

ሕርሻ ቅዩድ-ከባቢ

ሕርሻ ቅዩድ-ከባቢ (controlled-environment agriculture) ኣብ ውሽጢ መብቈሊ ኩነታት ምሉእብምሉእ ወይ ብኸፊል ምቝጽጻር ዘኽእሉ ቁመናታት፡ ኣትክልቲ ኣብ ምኹስኳስ ዘድህብ ጨንፈር ሕርሻዊ ስነፍልጠት ኢዩ። ንኸም ብርሃን፡ መኣዛታት፡ ምቘት፡ ጠሊ፡ ወዘተ ዝበሉ መብቈልቲ ረቛሒታት ምምጣን ዘኽእል ድማ ኢዩ።

ተወሰኽቲ ንባባት

Allen, Richard Lamb (1865) Domestic Animals. Agricultural Book Publisher: New York.

Bird, Chris (2014) The Fundamentals of Horticulture: Theory and Practice. Illustrated edition. Cambridge University Press.

Burkett, Charles William; Stevens, Frank Lincoln; and Hill, Daniel Harvey (1914) Agriculture for Beginners. Revised edition. Ginn and Company: Boston.

Cobbett, William (1833) Cottage Economy, to Which is Added The Poor Man’s Friend. John Doyle: New York.

Goodrich, Charles L. (1905) The First Book of Farming. Doubleday, Page & Company: New York.

Hansen, Ann Larkin (2010) The Organic Farming Manual: A Comprehensive Guide to Starting and Running a Certified Organic Farm. Illustrated edition. Storey Publishing.

Hazard, Willis P. (1882) How to Select Cows – Or the Guenon System Simplified, Explained, and Practically Applied. J. M. Stoddart & Co.: Philadelphia.

Kay, Ronald D. and Edwards, William M. (1994) Farm Management. McGraw-Hill.

Bhat, Shakeel Ahmad et al. (2025) Greenhouse Technology for Sustainable Agriculture. CRC Press.

Kozai, Toyoki; Niu, Genhua; and Takagaki, Michiko (2015) Plant Factory: An Indoor Vertical Farming System for Efficient Quality Food Production. Academic Press.

RHS Complete Gardener’s Manual: How to Dig, Sow, Plant and Grow (2011). Dorling Kindersley Ltd.

The Committee of General Literature and Education (1847) Insect manufactures. The Society for Promoting Christian Knowledge: London.

Singh, Rajendra (2020)
Beneficial Insects: Apiculture, Sericulture and Lac Culture. Retrieved from https://www.studocu.com/in/document/prof-rajendra-singh-rajju-bhaiya-university/farming-system-precision-farming-sustainable-agiculture/apiculture-lac-sericultuupload/92169667

Ohioline. What Is Controlled Environment Agriculture (CEA)? Retrieved from https://ohioline.osu.edu/factsheet/hyg-5819