ሓደ ሰብ ዝርዝራዊ ፍልጠት ናይ ኩሉ መዳያት ስነቀመም ንኽህልዎ ክትስፎ ዝኽእለሉ ዝነበረ መዓልታት ቀደም ኢዩ ሓሊፉ። ስነቀመማዊ ፍልጠት ብዝወሰኸ፡ ስነቀመም ናብ ብርክት ዝበሉ ንኡሳን ዓውድታትን ፍሉይነታትን ኣብ ዛዕባ መጽናዕትን ዝጥቀምሉ ስነሜላን ተመርኲሱ ክፈልቕ ተደሪኹ። ኣብ ዝተፈልዩ ስፍራታት ናይ ስነቀመማዊ ስነፍልጠት ዘተኩሩ ስነቀመምቲ ምስ ካልኦት ሓደ ዓይነት ክእለታትን ዝምባሌታትን ምስኦም ዝካፈሉ ብሓንሳእ ይእከቡ። ምስ ግዜ እዞም ስነፍልጠተኛታት እቶም መስረቲ ኣባላት ናይ ሓደ ስፍራ ፍሉይነት ኣብ ውሽጢ ስነቀመም ይዀኑ።
እቶም ኣብ ስነቀመም ፈለማ ዝተቐልቀሉ ስፍራታት ፍሉይነት ህዋሳዊ ስነቀመም፡ ዘይህዋሳዊ ስነቀመም፡ ነገራዊ ስነቀመም፡ ትንታኔኣዊ ስነቀመም፡ ዕዮኣዊ ስነቀመም፡ ወ ስነቀመምሂወት ነይሮም። እዚኣቶም ሎሚ እውን እንተዀነ ዝዓበየ ኣገዳስነት ኣለዎም። ኣብ እዋን 20ዋይ ዘመን፡ ኣብ ስፍራታት ንዋያዊ፡ ከባብያዊ፡ ወ ሕክምናዊ ስነቀመም ብዙሕ ዕብየት ተራእዩ። ኣብ ልዕሊ፣ዚ፡ ሓደስቲ ፍሉይነታት ከምእኒ መጋባእያዊ ስነቀመም ወ ስነቀመም ኮምፒተር ዝበሉ ምቕልቃል ቀጺሎም። ብምቕጻል፡ ንገለ ካብ፣ቶም ዝያዳ ዘገድሱ ንኡሳን ዓውድታት ናይ ስነቀመም ከነጕልሕ ኢና።
- ህዋሳዊ ስነቀመም፥ ነቶም መሰረት ናይ ኩሉ ዝተፈልጠ ሂወት ዘቑሙ፡ ንፍሓሞ-ዘካተቱ ሕመረታት ዘጽንዕ ኢዩ።
- ዘይህዋሳዊ ስነቀመም፥ ንዘይ-ፍሓሞቶት ሕመረታት የጽንዕ፤ ከም በዓል ሓጺነመጺን፡ ማዕድናት፡ ወ ህዉስሓጺነመጺናዊ ሕንክሮታት ዝበሉ።
- ህዉስሓጺነመጺናዊ ስነቀመም፥ ነቶም ምስ ፍሓሞ-ሃብታም ኣሃዱታት ዝተዋሃሃዱ ዘይህዋሳውያን ባእታታት ዝሓዙ ሕመረታት ይምርምር። ነቲ ኣብ መንጎ ህዋሳውን ዘይህዋሳውን ስነቀመም ዘሎ ሃጓፍ ዝመልእ ኢዩ።
- ትንታኔኣዊ ስነቀመም፥ ንዓይነታዊ ወ ዓቐናዊ ትሕዝቶታት ናይ ሓደ ስነቀመማዊ ሕመረት የለሊ።
- ነገራዊ ስነቀመም፥ ነቶም ስነቀመማዊ ስርዓታት ዘማሓድሩ መሰረታውያን ነገራዊ ሕግታት የጽንዕ።
- ዕዮኣዊ ስነቀመም፥ ኣብ ሰፊሕ-ደረጃ ዘለዎ ኣመሳራርሓ፡ ኣተዓቛቝራ፡ ኣበጻጽሓ፡ መሸጣ፡ ወ ውሕስነት ናይ ስነቀመማዊ ፍርያት ኢዩ ዘድህብ።
- ስነቀመምሂወት፥ ንኣብ ውሽጢ ሂወታውያን ህዋሰኛታት ዝርከቡ ስነቀመማዊ ሕመረታትን መስርሓትን የጽንዕ።
- ስነቀመም ናውቲ፥ ኣብ ምትላምን ምጽማርን በብዓይነቱ ናውቲ ንምፍራይ ክጠቕሙ ዝኽእሉ ስነቀመማዊ ሕመረታት ኢዩ ዘተኵር።
- ከባብያዊ ወ ሓምላይ ስነቀመም፥ ኣብ ምፍታሽ ስነቀመማዊ ኣቃውማ ናይ ሓደ ከባቢ የድህብ፡ ከምኡውን ተጐዳእነት ከባቢ ንምጕዳል ወይ ንምውጋድ ቀጻልነታዊ ስነቀመማዊ ስርዓታት ይትልምን የዳሉን።
- ሕክምናዊ ስነቀመም፥ ንመዓላ ፈውሲ ዝዀኑ ስነቀመማዊ ሕመረታትን መስርሓትን ይትልምን የማዕብልን።
- ስነቀመምህዋ፥ ንስነቀመማዊ ኣቃውማን ባህርን ናይ ሰማያዊ ኣካላት፡ ከምእኒ ኮዋኽብቲ፡ ተዋናጨፍቲሰማይ ወ ዘዋሮ ዝበሉ፡ የጽንዕ።
ተወሰኽቲ ንባባት
McPherson, William and Henderson, William Edwards (1917) An Elementary Study of Chemistry. Revised edition. Ginn & Company / The Athenæum Press.
Marcet, Jane Haldimand (1805) Conversations on Chemistry; in which the Elements of that Science are Familiarly Explained and Illustrated by Experiments. In two volumes. Longman: London.
Liebig, Justus (1844) Familiar Letters on Chemistry, and Its Relation to Commerce, Physiology, and Agriculture. Editor and Translator John Gardner. Second Edition. Taylor and Walton: London.
Chang, R., & Overby, J. (2019) Chemistry (13th ed.). McGraw-Hill Education.
Brown, T. L. and others (2025) Chemistry: The central science (15th ed.). Pearson.
Lavoisier, A. L. (1790) Elements of chemistry, in a new systematic order, containing all the modern discoveries (R. Kerr, Trans.). William Creech.
Mendeléeff, D. (1891) The principles of chemistry (G. Kamensky, Trans.; A. J. Greenaway, Ed.; 2 vols.). Longmans, Green, and Co.
Boyle, R. (1661) The sceptical chymist: Or chymico-physical doubts & paradoxes, touching the spagyrist’s principles commonly call’d hypostatical; as they are wont to be propos’d and defended by the generality of alchymists. J. Crooke.
Dalton, J. (1808) A new system of chemical philosophy (Part 1). S. Russell for R. Bickerstaff.
Pauling, L. (1939) The nature of the chemical bond and the structure of molecules and crystals: An introduction to modern structural chemistry. Cornell University Press.
Tro, N. J. (2019) Chemistry: A molecular approach (5th ed.). Pearson.
Morrison, R. T., & Boyd, R. N. (1959) Organic chemistry. Allyn and Bacon.
Clayden, J., Greeves, N., & Warren, S. (2012) Organic chemistry (2nd ed.). Oxford University Press.
Atkins, P., Jones, L., & Laverman, L. (2023). Chemical principles: The quest for insight (8th ed.). W. H. Freeman.