ነገራዊ ስነፍልጠት ንዘይሂወታዊ ገጻት ተፈጥሮ ዘጽንዕ ሰፊሕ ጨንፈር ተፈጥሮኣዊ ስነፍልጠት ኢዩ። ስርዓታዊ ምርምር ዘይህዋሳዊ ነገራት የካይድ። ንመሰረታዊ መትከላት ተፈጥሮ የለሊ፡ ከመይ ገይሮም ንጉድ፡ ጻዓት፡ ቦታን ግዜን ከም ዘማሓድሩ ይርዳእ። ነገራዊ ስነፍልጠት ንባህርያት ነገራዊ ስርዓታት ዝውስኑ ሕግታት ብምግሃድ ኣገደስትን ጠቐምትን ምህዞታትን ምብልሓታትን ክካየድ የኽእል። ተፈጥሮ ብኸመይ ይዓዪ ክንግንዘብ ጥራሕ ዘይኰነስ እንከላይ ንዕለታዊ መነባብሮ ዘማሓይሹ ግስጋሴታት ክረጋገጽ ይገብር።

ነገራዊ ስነፍልጠት ኣዚዮም ብዙሓት ጉዳያት፡ ካብ ትሕተኣቶማዊ ንጥርታት ክሳብ ጋላክሲታት፡ ካብ ውሽጠምድሪ ክሳብ መላእ ኣድማስ፡ ይሽፍን። መሰረታውን ተግባራውን ዓውድታት መጽናዕቲ ዝሓዘ ከኣ ኢዩ። መሰረታዊ ዓውደትምህርታት ነገራዊ ስነፍልጠት ኣብ ምምንጫው ፍልጠት ዘተኩሩ ክዀኑ ከለዉ፡ ተግባራዊ ዓውደትምህርታት ነገራዊ ስነፍልጠት ድማ ኣብ ምትግባር ዘሎ ኣፍልጦ ናብ ግብራዊ መዓላ የድህቡ። ቀጺልና ንጨንፈራት ነገራዊ ስነፍልጠት ከነቕርብ ኢና።

መሰረታዊ ዓውደትምህርታት ነገራዊ ስነፍልጠት

ነገራዊ ስነፍልጠት ኣርባዕተ ዓበይቲ መሰረታዊ ዓውደ መጽናዕትታት ዝሓዘ ኢዩ። ንሳቶም ከኣ ስነነገር፡ ስነቀመም፡ ስነፍልጠታት ምድሪ፡ ከምኡ፣ውን ስርዓተኮኾብ ኢዮም። ነፍሲ ወከፍ እዞም ዓውደትምህርታት ንገዛእ ርእሱ ናብ ዝነኣሱ ፍሉይነታት ይከፋፈል።

  • ስነነገር (physics) – ንጉድ፡ ጻዓት ከምኡ፣ውን ርክባቶም የጽንዕ። እቶም ሸውዓተ ዓበይቲ ጨናፍር ስነነገር እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፦
    • ነገራትምንቅስቓስ (mechanics)
    • ነገራትምርኣይ (optics)
    • ነገራትድምጺ (acoustics)
    • ብርታዔታትምቘት (thermodynamics)
    • ኤሌክትሮሳሓብነት (electromagnetism)
    • ተዛማድነት (relativity)
    • ስነነገር ክንድነት (quantum physics)
  • ስነቀመም (chemistry) – ንባህርያት፡ ትሕዝቶ ከምኡ፣ውን መልሰተግባር ጥረነገራት የጽንዕ። እቶም ሓሙሽተ ዓበይቲ ጨንፈራት ስነቀመም እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፦
    • ህዋሳዊ ስነቀመም (organic chemistry)
    • ዘይህዋሳዊ ስነቀመም (inorganic chemistry)
    • ተንታናዊ ስነቀመም (analytical chemistry)
    • ነገራዊ ስነቀመም (physical chemistry)
    • ቀመማትሂወት (biochemistry)
  • ስርዓተኮኾብ (astronomy) – ካብ ዘዋሪ ምድሪ ወጻኢ ንዘለዉ ነገራትን ክውንነታትን የጽንዕ። እቶም ክልተ ዓበይቲ ጨንፈራቱ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፦
    • ርኡያዊ ስርዓተኮኾብ (optical astronomy)
    • ዘይርኡያዊ ስርዓተኮኾብ (non-optical astronomy)
  • ስነፍልጠታት ምድሪ (earth sciences) – ንስርዓተእምኒ፡ ስርዓተማይ፡ ከምኡ፣ውን ስርዓተጠፈር ምድሪ ዘጽንዑ ዓውደትምህርታት። ናብ ሰለስተ ጨንፈራት ከኣ ይምቀሉ፦

ተግባራዊ ዓውደትምህርታት ነገራዊ ስነፍልጠት

እዞም ዝስዕቡ ገለ ካብቶም ዓበይቲ ተግባራዊ ዓውደትምህርታት ነገራዊ ስነፍልጠት ኢዮም፦

  • ስነፍልጠት ንዋይ (material science) – ንናውትን ኣጠቓቕምኦምን የጽንዕ።
  • ስነህንጻ (architecture) – ህንጸታት ይትልም።
  • ስነሞያ (technology) – ውጽኢት ምቕያር ስነፍልጠታዊ ግንዛቤ ናብ ግብራዊ ጠቕሚ ዝዀኑ ዝጭበጡን ዘይጭበጡን ነገራት።
  • ምህንድስና (engineering)ስነፍልጠታውን ኢደግብራውን ኣፍልጦታት ተጠቂምካ ምትላም፡ ምፍጣር፡ ምህናጽን ምምሕያሽን መፍቲሒታት ወ ኣገልግሎታት።
  • ስነዓቐን (metrology) – ስነፍልጠታዊ መጽናዕትን ምቛምን መዐቀኒታት።
  • ቦታዊ ስነፍልጠት (spatial science) – ምምዝጋብ፡ ምዕቃን፡ ምቕራብን ምትንታንን ንምድሪ ዝገልጽ ቦታዊ ሓበሬታታት፡ ኣካላዊ ትርኢታትን ስራሕሰብ ህንጸታትን።
  • ምንስፋፍኣየር (aeronautics) – ስነፍልጠት በረራን መሳርሒታት በረራን ኢዩ።
  • ስነፍልጠት ጻዓት (energy science) – ንብድሆታት ጻዓትን ኣፈታትሕኡን የጽንዕ።
  • ምንስፋፋዊ ስነፍልጠት (nautical science) – ንምንስፋፍ ባሕርን መሳርሒታቱን የጽንዕ።
  • ደቂቕስነሞያ (microtechnology) – ብሚክሮሜተር ዝዕቀኑ ኣዚዮም ደቀቕቲ ነገራት ኣብ ምፍጣርን ምቁጽጻርን ዘተኩር ዓውዲ ስነፍልጠት
  • ድቝስስነሞያ (nanotechnology) – ኣቶሚካውን ኩምሪታውን ዕብየት ዘለዎም (ብናኖሜተር ዝዕቀኑ) ኣዚዮም ድቝሳት ነገራት ኣብ ምምስራሕን ምቁጽጻርን ዘድህብ ዓውዲ ስነፍልጠት
  • ስነፍልጠት ኑክሌር (nuclear science) ንኣቶሚካዊ ኑክሌሳትን ኣጠቓቕምኦምን የጽንዕ።
  • ስነፍልጠት ህዋ (space science) – ንህዋን መሳርሒታት ህዋን የጽንዕ።
  • መዋግኢ ስነፍልጠት (military science) – ምስ ኲናት፡ ምክልኻል፡ ከምኡ፣ውን ሃገራዊ ድሕነት ዝተኣሳሰሩ ጉዳያትን ነገራትን የጽንዕ።